ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካን ኔቶን ንምስሓብ ሰራዊት ሩስያ መረጋገጺ ከምዘይረኸቡ ይገልጹ


ወታሃደራዊ መካይን ሩስያ
ወታሃደራዊ መካይን ሩስያ

ሩስያ ልምምዶም ዝወድኡ ሰራዊተይ ካብ ዶብ ዩክሬን ክስሕቦም`የ ዝብልን ምስ ምዕራባዊያን ክዘራረብ`የ ምባላን ንዩክሬናውያን ገና መተኣማመኒ ኣይሃቦምን።

ኣመሪካን መሻርኽታን`ውን ምስሓብ ሰራዊት ክነረጋግጽ ኣይክኣልናን ብዝብል ስግኣት ወራር ሩስያ ገና የንጸላሉ ከምዘሎ ይገልጻ`ለዋ።

ሚንስትሪ ምክልኻል ሩስያ ትማሊ ዝዘርግሖ ቪደዮ፡ ታንክታትን ድሩዓት መካይንን ሩስያ፡ ኣብ ኣብ ናይ ጽዕነት ባቡራት ክጽዓናን ናብ መዓስከረን ክምለሳን የርእይ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG