ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሓዳሪ ድምጺ ኣመሪካ ዝርከቦ ኤጀንሲ ግሎባላዊ ሚድያ ኣሜሪካ ማይክል ፓክ ካብ አባላት ሰነት ንዝቐረበሉ ሕቶታት መሊሱ


ድምጺ ኣመሪካ ዝርከቦ ኤጀንሲ ግሎባላዊ ሚድያ ኣሜሪካ ንከመሓድር ዝተሸመ ማይክል ፓክ፥ ንብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ ድሕሪ ምብራሩ ካብ ኣባላት ባይቶ ንዝቐረበሉ ስክፍታታት መሊሱ። ማይክል ፓክ ኣብቲ መልሱ፥ ተባዕን ትርጉም ዘለዎን ውሳነታት ክወስድ`የ ሓላፍነት ተሃዊቡኒ ኢሉ። ንክልቲኡ ፓርትታት ካብ ዝሓቖፈ ሓደ ጉጅለ ሰነተራት ናብ ማይክል ፓክ ኣብ ዝተላእከ ደብዳበ፥ ንሓለፍቲ ራድዮ ፍሪ ኤውሮጳ፥ ራድዮ ፍሪ ኤስያ፥ መርበብ ፍነወ ማእከላይ ምብራቕ ከምኡ`ውን ክፉት ቴክኖሎጂካዊ ማዕከን ምብራር፥ ከቢድ ሕቶ ዘልዕል`ዩ ኢሎም።

ኣማሓዳሪ ኤጀንሲ ግሎባላዊ ሚድያ ኣሜሪካ ማይክል ፓክ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፥ ብፕረዚደንት ብህዝቢ ኣሜሪካን ሰነተራትን ዝተዋህበኒ ተባዕን ትርጉማዊ ለውጥን ናይ ምውሳድ ሓላፍነት`የ ዝተግበርኩ ኢሉ። ኣስዒቡ፥ ንናጽነት ጋዜጠኛታት ንምሕላውን ምኽባርን፥ ከምኡ`ውን ንቻርተር ድምጺ ኣሜሪካ ዘለኒ ጽኑዕ ድጋፍ ደጊመ ኣረጋግጽ ኢሉ`ሎ። ኣብቲ ትካል ናይ ምሕደራ ጸገም ከም ዝጸንሐን ንዕኡ ንምዕራይ ይሰርሕ ከም ዘሎን`ውን ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG