ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሓዳሪ ክልል ጋምቤላ ናብ ደቡብ ሱዳን ምኻዶም ተሓቢሩ


ጋምቤላ ከተማ
ጋምቤላ ከተማ

ኣመሓዳሪ ክልል ጋምቤላ አቶ ኡሞድ ኡጁሉ፣ ናብ ደቡብ ሱዳን ከምዝተበገሱ ተፈሊጡ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረስ’ቲ ክልል ኣቶ ኡጌቱ ኦዲንግ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ዕላማ መገሻ እቶም ኣመሓዳሪ፣ ካብ ደቡብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ እናሰገሩ፣ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዕጡቃት ሙርሌ ኣመልኪቶም ንምዝርራብ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ኡሞድ ኡጁሉ ምስ ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳንን፣ ማሕበረ ሰባት ሙርሌ ከምዝራኸቡ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG