ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሓዳሪ ክልል ሶማል ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንህውሓት ዘይምኹናኑ ነቒፎም


ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፂ ኣብ መንጎ ክልተ ክልላት ዝካየድ ዘሎ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ንሶም "ኣሸባሪ" ክብሉ ዝፀውዑዎ ህወሓትን እዩ ክብሉ ኣመሓዳሪ ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድ ዑመር ተዛሪቦም።

ንሶም ወሲኾም ማሕበረሰብ ዓለም ፌደራል መንግስቲ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ኣዊጁ እናሃለወ ህወሓት ግን ውግእ ዘይምቁራፁ ክኹነን ዘይምኽኣሉ ነቂፎም ።

ህወሓት ሕጂ'ውን በብክልሉ ምስሌናቱ ብምቅማጥ ወይ'ውን ንፌደሬሽን ብምፍርራስ ዕድላት ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ክውስን ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ፈፂሙ ዘይኸውን'ዩ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ብኽልል ዓፋር ኣቢለን ናብ ትግራይ ረዲኤት መግብን ዝተፈላለዩ ሓገዛትን ሒዘን ይጉዓዛ ዝነበራ መኻይን ብምኽንያት ኣብቲ ኸባቢ ይካየድ ዘሎ ኲናት ክሕልፋ ከምዘይከኣላ ኮምሽን ሃገራዊ ምክልኻል ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

"ንሕና ኣካል እቲ ፌደራል መንግስቲ ኢና ።እቲ ሓይሊ ከኣ ሕገመንግስቲ ከፍርስ ዝደሊ ዘሎ ሓይሊ ምዃኑ ግልፂ እዩ ። ኣብዚ ሰሙን እንታይ ዓይነት ዕላማ ከምዘለዎም ግልፂ ይኸውን ኣሎ ። ንኽልል ዓፋር ኣጥቂዖም ኣለዉ ፤ጉዳይ ዓቅሚ ኮይኑዎም 'ምበር እንተኺኢሎም ናብ ክልል ሶማሌን ቤንሻንጉልን'ውን ሓሊፎም ከጥቅዑ ይደልዩ እዮም ። ስለዝኾነ ካብ ክልላት ዝሰገረ ምዃኑ ግልፂ እዩ ።ትማሊ ዝተመንዝዕዎ ስልጣን ሎሚ እንተዘይኣምለስኩ ፤ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣትየ ክውስን እንተዘይ ኪኢለ ኢትዮጵያ ኣይትረጋጋዕን ኢሉ ዝኣምን እዩ። ስለዝኾነ ኩላትና ተሓባቢርና ካብ ምምካት ዝሓለፈ ካልእ ኣማራፂ የብልናን ናይ ትማሊ ታሪክ ክምለስ ኣይንደልን።"

ንቅድመ ምድላው ስራሕቲ ሕርሻ ክጥዕም ተባሂሉ ፌደራል መንግስቲ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ኣዊጁ ካብ ክልል ትግራይ ምውፅኡ ትኽክለኛ ውሳነ እዩ ኢሎም ዝኣምኑ ኣቶ ሙስጠፌ መሓመድ ይኹን'ምበር ህወሓት ነዚ ዕድል ብሓይሉ ዝረኸቦ ዓወት ኣምሲሉ ካልእ ኲናት ምክያዱ ጌጋ እዩ ይብሉ ።ኣብ ቀረባ ኣብ በዓል ራያ ፣ፀለምትን ክልል ዓፋርን ዝበሉ ኸባቢታት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንሶም"ኣሸባሪ"እናበሉ ዝፅውዕዎ ህወሓት ዝቀስቀሶም እዮም ኢሎም። ይኹን እምበር መንግስቲ ሕጊ ምኽባር ኢሉ ዘካየዶ ወፍሪ ብተደጋጋሚ ተኹሲ ጠጠው ከብል ይሓቱ ዝነበሩ ማሕበረሰብ ዓለም ህወሓት እቲ ኲናት ናብ ካልኦት ክልላት ከሰጋግሮ እናረኣዩ ሱቅታ ምምራፆም ነቒፎም።

ህወሓት ዝተፈላለዩ ዘይሰብኣዊ ገበናት ዘይፈፀመሉ ክልል የለን ዝበሉ ኣቶ ሞስጦፌ ቅድም ክብል ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሕሳብ ከነወራርድ ኢና ምባሎም ጠቂሶም ዝወራረድ ዕዳ እንተሎ ህወሓት ዝያዳ ካልእ ዕዳ ኣለዎ ኢሎም።

"27 ዓመታት ንህዝቢ ክቀትል ዝፀንሐ ውድብ እዩ ። ኣብ ዕድመ ስልጣኑ ዘየመዛበሎ ፣ዘይደፈሮ ፣ዘይቀተሎ ናይ ኢትዮጵያ ብሄር ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን ። ኩሉ ክልል ክበሃል ይከኣል ስለዝኾነ ኣብዚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ተበዲለ እየ እዩ ዝብል ዘሎ 27 ዓመት ክብድል ዝፀንሐ ውድብ እንታይ ዓይነት ሕሳብ እዩ ከወራርድ ዝደሊ ዘሎ ኣይርደኣንን።"

ህወሓት ሎሚ'ውን ከምቲ ቅድሚ 30 ዓመት ዝገበሮ ዕድል ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣነ እየ ዝፈልጠልኩም ዝብል ቅዋም እዩ ዘለዎ ዝበሉ ኣቶ ሙስጠፌ ሎሚ ግን እዚ ክከውን ኣይኽእልን ኢሎም።

ንምምሕዳር ድሬዳዋ ሓዊሱ ኩለን ክልላት ፌደራል ሓይልታተን ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ይልእኻ ምህላወን ስዒቡ ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ዝበፅሑ ፍሉይ ሓይሊ ሶማሌ'ውን ኣቀባብላ ተገይሩሉ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ጎንደር ዝተረኽቡ ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮምያ ሽመልስ ኣብዲሳ "ኣሸባሪ " ክብሉ ዝፅውዑዎ ህወሓት ዝወለዖ ኲናት ኣብ ሓድነት ኢትዮጵያ ዘነፃፀረ ብምዃኑ ኢትዮጵያውያን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብምልዓል ክምክትዎ ከምዝግባእ ምዝራቦም ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢሩ። ኢዜኣ ወሲኹ መንግስትን ህዝብን ኦሮሚያ ናይ ኢትዮጵያ ሓደጋ ኣብዝኾኑ ጉዳያት ምስ ኣሕዋት ህዝብታት ኮይኑ መስዋእቲ ንምኽፋል ድሉዊ እዩ ምባሎም ገሊፁ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኮምሽን ምክልኻል ሓደጋ ብክልል ዓፋር ኣቢለን ረዲኤት መግብን ካልኦት ሓገዛትን ሒዘን ናብ ትግራይ ይኸዳ ዝነበራ መኻይን ኣብቲ ኸባቢ ይካየድ ብዘሎ ዂናት ምትእጉጓለን ሓቢሩ ።ኮምሽነር መምርሒ ስራሕ ሃገራዊ ስግኣት ሓደጋ ምትኩ ካሳ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝበልዎ ኣብዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት መግብን ካልኦት ሰብኣዊ ሓገዛት ፅዒነን ናብ ትግራይ ይሓልፋ ዝነበራ 189 ዓበይቲመኻይን ነቲ ዘሎ ጥቅ፟ዓት ብምስጋእጠጠው ክብላ ተገዲደን እየን ኢሎም ።

እቶም ኮምሽነር ነቲ መንግስቲ ካብ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ካልኦት ለገስቲ ትካላትን ዝመፀ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ክልል ትግራይ ክበፅሕ ዘመዓራረዮ መንገዲ ንሶም "ኣሸባሪ" ክብሉ ዝፀውዑዎ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ 4 ወረዳ ፈንቲ ረሱ ያሎ ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ዝነበረ መተሓላለፊ መንገዲ ምዕጻውን ምብፃሕ ረዲኤት'ውን ምትዕንቓፉን ይዛረቡ ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሰመራ 115 ኪ.ሜ ርሒቑ ናብ ክልል ትግራይ መግቢ ሒዘን ይጉዓዛ ኣብ ልዕሊ ዝነበራ 10 ዓበይቲ መኻይን ሓደጋ በፂሑወን ክብል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቅድሚ ትማሊ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።ንግዚኡ ብምክንያት ፀጥታ እቲ ኸባቢ ረዲኤት ዝፀዓና መኻይን ከይንቀሳቀሳ ዝወሰነ ምዃኑን ቀንዲ መበገሲ እዚ ዕንቅፋት መን ምኳኖም ንምፍላጥ እውን ምስ ሰበስልጣናት እቲ ኸባቢ ይሰርሑ ምህላዎምገሊፁ።

ኣብ ዓፋር ወረዳ ያሎ ዝነብሩ ኣርባሕቲ እንስሳ ዓፋር ከምዝበልዎ እቲ ውግእ ካብዝጅመር ዳርጋ ሓደ ሰሙን ከምዝኾኖን ብኸበድቲ ኣፅዋር ዝተሓገዘ ምኳኑን ይዛረቡ።

"ኩሉ ህዝቢ ተመዛቢሉ እዩ ።ናብ ጨፍራን ቦሪ ሁዋ ወረዳ ኣለሌ ተፈናቂሉ እዩ ። ስጋብ መዋሰኒ ኣምሓራ ተመዛቢሉ እዩ።እቲ ኲናት ኣዝዩ ከቢዱና እዩ ዘሎ።"

ኣቶ ኣሎ ዝተባህሉ ነባሪ በቲ ናብ ትግራይ ዘእቱ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ካብ መንበሪኦም ከምዝተመዛበሉን እቲ ኲናት ህዝቢ እቲ ኸባቢ ጥራሕ ዘጥቀዐ ኣይኮነን ይብሉ ።

"በዚ ኲናት ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮነን ዝጉዳእ ዘሎ ኣብቲ ከባቢ ዝሎ ብኣምሓራ ኮነ ብኸባቢ ዓፋር ሰሜናዊ ዞባ ዘለዉ መዋሰኒ ከባቢታት ስልኪ የብሎምን ፣ ባንኪ የለን ን8 ኣዋርሕ ተዓፅዩ እዩ ዝርከብ እዚ ኸባቢ ዞባ 4 ዘሎ መንገዲ ናብ ትግራይ ዝቀረበ እዩ ። ንሱ እዮም ዓፅዮሞ ዝርከቡ ። ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ማሕበረሰብ ንጥምየት እዩ ዝቃላእ ዘሎ እዚ ድማ ሃገራዊ ጉድኣት እዩ:: "

ነበርቲ እቲ ኸባቢ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ዘሎ ኩነታት ተረዲኡ ክበፅሐልና ይግባእ ከምኡ'ውን ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያሓገዝ ክገብረሎም ፀዊዖም ።ብዛዕባ ተመዛቢሎም ዝተባህሉ ክፋላት ማሕበረሰብ ኮነ ሓፈሻዊ ኩነታት ፀጥታ እቲ ከባቢ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ክልልላዊ ምምሕዳር መንግስቲ ዓፋር ዝገበርናዮ ተደጋገምቲ ፈተነታታ አይሰለጠን።"ኣሸባርን ጁንታን "ክብል ንህወሓት ዝፀዎዖ መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ ዞባ ረሱ ወረዳ ያሎ ኣብ ልዕሊ ኣርባሕቲ እንሰሳ ክልል ዓፋር መጥቃዕቲ ምኽፋቱ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።

ኣባል ኣመራርሓ መንግስቲ ትግራይን ውሃቢ ቃል ሓይልታት ኮማንድ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብዘይ ኣገባብ መሬትና ተወሪሩና እዩ ዝበልዎ መሬት ናጻ ካብ ምውፃእ ሓሊፉ ግዝኣት ናይ ምስፋሕ ኮነ ካልእ ኣጀንዳ ከምዘይብሉ እዮ ዝዛረቡ ። ከምኡ'ውን አብ ትዊተሮም " ሓረስቶት ነናብ ዝመፁሉ ከባቢ ምምላስና ክንቅፅል ኢና ። ንሰራዊት ትግራይ ምምላስ ዘይከኣል ምኳኑ እናፈለጡ ሓረስቶት ዘዋፍሩ ዘለዉ ከእርነቡ ይግባእ ።ንሕና ምስ ጭቁን ህዝቢ ኣምሓራ ኮነ ህዝቢ ኦሮሞ ወይውን ምስ ካልኦት ህዝብታትን ሚልሻን ባእሲ የብልናን ። ባእስና ምስ ኣዴታት ትግራይን ህፃናት ትግራይን ተዘይጨፍጨፍኩ ኣይድቅስን ዝበሉ ሓይልታት እዩ ። ንሳቶም ንህዝብና ስግኣት ምዃኖም ስጋብ ዘየቋረፁ ስጉምትና ጦሮም ኣብ ዘልዓልሉ ቦታ ኩሉ ክቅፅል እዩ ክብሉ ፅሒፎም እዮም።

XS
SM
MD
LG