ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

" ኣመሓዳሪ ክልል ሶማል ናብ አዲስ አበባ ብስራሕ'ዮም ተንቀሳቂሶም" ዳይረክተር ትካል ምርምር እንስሳት ኣቶ ጉሌድ ኣውዓሌ


ጂጂጋ ከተማ
ጂጂጋ ከተማ

ትማሊ ሶኑይ ካብ ስልጣኖም ዝተለዓሉ ናይ ቀደም ናይ ኢትዮጵያ ሶማሌ ክልል ፕረዚደንት ኣብዲ ሞሓሙድ ኦማር /ኣብዲ ኢሌ/ ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ሓደ በዓል ስልጣን ክልል ሶማሌ ገሊፆም።ኣቶ ኣብዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገሹ ንጉዳይ ስራሕ እዩ ኢሎም።

ኣብ ጂግጂጋን ካልኦት ከተማታትን ኣንፃራዊ ምርግጋእ ከምዘሎ እውን ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ናይታ ሃገር ክፋል ዝርከቡ ገለ ሰበስልጣን መንግስቲ ነቲ ዘሎ መስርሕ ለውጢ ንምዕንቃፍ ህውከትን ዕግርግርን ይቕስቅሱ ኣለው ክብል ሰማያዊ ፓርቲ ኸሲሱ።

ትማሊ ካብ ስልጣኖም ዝተለዓሉ ናይቲ ክልል ሶማሌ ፕረዚደንት ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ናይቲ ክልል ዳይረክተር ትካል ምርምር እንስሳት ኣቶ ጉሌድ ኣውዓሌ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።ንዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልታት ዝተዛብዑ ሓበሬታታት ነቲ ክልል ክህውክዎ ፀኒሑ’ሎ ኢሎም።እቶም ፕረዚደንት ተአሲሮም ብሄልኮፒተር ናብ ኣዲስ ኣበባ ተወሲዶም ዝብሃል ወረ ተሓቲቶም ከምዚ ኢሎም።

“ንሶም ንጉዳይ ስራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተጉዓዙ እዩ ዝሰማዕኹዎን ዘለኒ ሓበሬታን።ካብዚ ወፃኢ ተኣሲሮም፤ተወቒዖም ዝብሃል ሓበሬታ ሓቂ ዘይምዃኑ እየ ከረጋግፅ ዝደሊ።”

እቲ ዝተተክእሰ መሪሕነት ስርሑ እናሰርሐ ምዃኑ ዝገለፁ ንሶም ኣብታ ከተማ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ሰራዊት ምክልኻል እናሰርሐ ምዃኑ ሓቢሮም።

“ኣብ ከተማ ዝተፈጥረ ዕግርግር ንምርግጋእ ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ፊደራልን ከምኡ እውን ኣካላት ፀጥታ ናይቲ ክልል ይሰርሑ እዮም ዘለው።ናይ መንግስቲ መሓውር ኣይፈረሰን፤ኩሎም ዝነበሩ ሓለፍቲ ኣለው፤ዝወረደ ኣካል ዋና ኣማሓዳሪ ጥራሕ እዩ።”

ኣዛዚ ፍሉይ ፖሊስ ተኣሲሩ ብዛዕባ ዝብሃል ዝፈልጡዎ ነገር ከምዘየለ ገሊፆም።እቲ ኩነታት ምርግግኡ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይታ ሃገር ክፋል ዝርከቡ ገለ ሰበስልጣን መንግስቲ ነቲ ዘሎ መስርሕ ለውጢ ንምዕንቃፍ ህውከትን ዕግርግርን ይቕስቅሱ ኣለው ክብል ተቓዋሚ ውድብ ሰማያዊ ፓርቲ ኸሲሱ።

ፌደራላዊ መንግስቲ ኣድላዪ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ከሕትቶ እዩ ዝበለ ሰማያዊ ፓርቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ወገናት ቕልጡፍ፣ሕጋውን ብርቱዕን ስጉምቲ ክወስድ ሓቲቱ’ሎ።

እቲ ፓርቲ ሎሚ ኣብ ዝፀውዖ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብዚ ናይ ለውጢ መስርሕ ሃገራዊ ሓድነትን ምርድዳእን ከምኡ እውን ናይ ዜጋታት ዴሞክራሲያዊን ሰብኣውን መሰላት ብኣንፃራዊነት ተኸቢሩ’ሎ ይብል።

ኣቦ ወንበር ቤት ምኽሪ ናይቲ ፓርቲ ኣቶ ይድነቃቸው ከበደ “እዚ ክተባባዕ ዘለዎ ናይ ለውጢ ጅማሮ ኣብ ክንዲ ምድጋፍን ሃገራውን ታሪኻውን ሓላፍነት ምውፃእን እከይ ተግባራት ዝሰርሑ ኣብ ሓላፍነትን ስልጣንን መንግስትን ዝርከቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኮይኖም ተግባራት ህውከትን ዕግርግርን ዝፈጥሩ ሰላምን ምርግጋእን ከይህሉ ዝሰርሑ መለዓልቲ ናይ ጥፍኣት ስራሓት ይፍፅሙ ኣለው።”

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ፀገማት ከምዘለው ዝገለፁ ንሶም ኣብ ጅግጂጋ ዝተፈጥረ ግን ብፍሉይ ይጠቕሱ።እቲ ህውከት ካብ ጅግጂጋ ከተማ ወፂኡ ናብ ካልኦት ከተማታት ምግፍሑ እውን ይገልፅ።እቲ ፀገም ክፍጠር ከሎ ናይቲ ክልል መንግስቲ ነዚ ጠጠው ኣየብሎን በዚ እውን ናይ ፌደራል መንግስቲ ካብ ተሓታትነት ኣየምልጥን ይብል።

ፌደራል መንግስቲ ናይቲ ህዝቢ ድልየትን ምርጫን ብዝሕሉ ስጉምቲ ክወስድ ሰማያዊ ፓርቲ ብህፁፅ ይሓትት ይብል።

ብዝተኣሳሰረ ኣብ ክልል ኢትዮ-ሶማሌ ከተማ ጅግጂጋ ዝተለዓለ ህውከትን ዕግርግርን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እታ ከተማ ዝነብሩ ዜጋታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሕቶ ክወድቑን እናገበረ ምዃኑ ብቕልጡፍ ደው ክብል ከምዘለዎ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ናይቲ ኮሚሽን ዳይረክተር ናይ ኢንፎርመሽን ኮሚኒኬሽን ኣቶ ደምሰው በንቲ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብታ ከተማ ዜጋታት ንብረት ናይ ምፍራይን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምዝውዋርን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብህይወት ናይ ምንባር መሰሎም ኣብ ሓደጋ እናወደቐ እዩ ኢሎም።

እቲ ኮሚሽን ኣብቲ ጉዳይ ዘለው መረዳእታታት ዕላዊ ከምዝገበር ብምግላፅ ኣብዚ ስዓት ኣብ ልዕሊ ሰባት ይኹን ንብረት ዝወረደ ዕንወት መጠን ንምግላፅ ከምዘፀግም ተዛሪቦም ኣለው።

ኣብ ከተማ ብሰንኪ ዝተልዓለ ዕግርግር ሹቓት ተሰሪፎም ኣብያተ ክርስቲያናት ድማ ብሓዊ ነዲዶም ኣለው።ኣብቲ ክልል ዝርከብ ጨንፈር ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ሓዊሱ ኣብ ደጋሃቡር፣ቀብሪደሃርን ጎዴን ዝተፈፀሙ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ምርመራ እናካየደ ምዃኑ ገሊፁ።

ብኻሊእ ዜና ኣብ ደቡብ ክልል ኣብ ዞባ ዳውሮ ከተማታት ተርጫን ዋካን ብሰንኪ ብናይቲ ክልል ቴሌቪዥን ተመሓላሊፉ ዝተብሃለ ዝተጋግየ ዜና ትማሊ ህይወት ሰባት ዘጥፍአን ኣካል ጉድኣት ዘውረደን ተቓውሞን ህውከትን ከምዝነበረ ተፈሊጡ።ሓያሎ ህንፃታት መንግስትን ናይ ውልቂ ትካላትን ከምኡ እውን ናይ ውልቀሰባት ኣባይቲ ከምዝዓነው ተፈሊጡ’ሎ።ሎማዕንቲ ግን እተን ከተማታት ምርግጋእ ከምዝነበረን እቲ ዜና ይሕብር።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:29 0:00

XS
SM
MD
LG