ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሓዳሪ ክልል ሶማልያ ካብ መዝነቶም ተላዒሎም፡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ድማ ናብ ከተማ ጂግጂጋ ኣትዩ’ሎ


ጂጂጋ ከተማ ከማኅበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፅ ላይ የተገኘ ፎቶ
ጂጂጋ ከተማ ከማኅበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፅ ላይ የተገኘ ፎቶ

ናይ ኢትዮጵያ ሶማልያ ክልላዊ መንግስቲ ኣማሓዳሪ ኣቶ ኣብዲ ሞሓመድ ዑመር ወይ ኣብዲ ኤሌ ብሓድሽ መሪሕነት ከምዝተተክኡ ሰበስልጣን ናይቲ ክልል ኣፍሊጦም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ ኣብ ወጥሪ ናብ እትርከብ ዋና ከተማ ናይቲ ክልል ጂግጂጋ ኣማሲዮም ምእታዎምን እታ ከተማ ትርጋጋእ ከምዘላን ነበርቲ ገሊፆም።

ብኻልእ ወገን ኣብ ጂግጂጋ ብዝተለዓለ ግጭት ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ከተማ ገንዳ ገራዳ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ትማልን ሎሚን ብዝተለዓለ ግጭት ኣስታት 14 ሰባት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ገሊፆም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ጅቡቲ ዜጋታቱ ንመጥቓዕቲ ዘቃልዐ ዝበሎ ናይ ድሬዳዋ ግጭት ብምኹናን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ዜጋታቱ ድሕነቶም ንኽሕልው ዝሓትት መግለፂ ሎሚ ሶኑይ ኣውፂኡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG