ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሓዳሪት ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ ምስ ሚኒስትር ሰላም ኢትዮጵያ ተራኺበን: ተዘራሪበን


ሚኒስትር ሰላም ኢትዮጵያ ሙፈርያት ካሚልን ኣመሓዳሪት ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ ሳማንታ ፓወር
ሚኒስትር ሰላም ኢትዮጵያ ሙፈርያት ካሚልን ኣመሓዳሪት ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ ሳማንታ ፓወር

ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘሎ ግጭት ተኣሳሲሩ ኣመሪካ ንዝኾነ ይኹን ኣካል ከምዘይትውግን ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ(USIAD) ሳማንታ ፓወር ገሊፀን።ንሰን ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየድኦ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ስዒቡ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፅሓይ ንምግባር ኣብ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ደረጃ ከምዝበፅሐ ተዛሪበን።

ፓወር ረድኤት ንዝተፀገሙ ወገናት ክባፃሕ መንግስቲ ምቹእ ኩነታት ክፈጥር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲበን።

ንምትዕንቓፍ ቀረብ ረድኤት ተሓታቲ ህወሓት እዩ ዝበላ ሚንስትር ሰላም ኢትዮጵያ ሙፈሪያት ካሚል : ህወሓት ካብ ተግባሩ እንተድኣ ተዓቂቡ መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ድልዊ እዩ ኢለን።

ንሰን ሰብኣዊ ሓገዝ ብቐፃልነት ክባፃሕ እንተድኣ ተደሊዩ ህወሓት ተፃብኦታቱ ከቋርፅ ኣለዎ ኢለን ። ሳማንታ ፓወር ብወገነን ኣመሪካ ምስ ዝኾነ ከይወገነት ንሰብኣዊ መሰልን ዓለምለኸ ሕግታትን ንዝጥሕሱ ኣካላት ምሕታታ ከም እትቐፅል ተዛሪበን።

እቲ ግጭት ኣብ ዝቐፀለሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንሰብኣዊነት ዘዋርዱን ግጭታት ዘጋድዱን ደው ክብሉ ከምዘለዎም ፓወር ኣተሓሳስበን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG