ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሓዳሪት ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ ሳማንታ ፖወር ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ከካይዳ'የን


ኣመሓዳሪት ዩኤስኤኣይዲ ሳመንታ ፓወር
ኣመሓዳሪት ዩኤስኤኣይዲ ሳመንታ ፓወር

ኣዲስ አበባ ክኣትዋ ትፅቢት ዝገበረለን ዘሎ ኣመሓዳሪት ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ ሳመንታ ፓወር ዕላማ ጉዕዘአን ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ንምክልኻልን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይድሩት ሰብኣዊ ተበፃሕነት ከፍቅድ ተጽዕኖ ክገብራ ከምዝኾነ ኣቀዲመን ገሊፃን ነይረን ። ይኹን'ምብር እቲ ዝገብረኦ ተጽዕኖ ብዛዕባ ዝሓዞም ነጥብታት ግን ዝተባህለ ነገር የለን ።

ሰበ ስልጣን ኢትዩጵያ ግን ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ ብሸነኽ ሱዳን ንመተሓላለፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ እቲ መስመር ክኽፈት ዝሓትት ተጽዕኖ ክብሉ ብምግላጽ ኣበርቲዖም ከምዝቃወሙዎ'ውን ሓቢሮም ኣለው ።ብዛዕባ እቲ ሳመንታ ፖወር ዘካይድኦ ምብጻሕ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን።

ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሰን እቲተጽዕኖ "ቅሉዕ መፃውዶ ተንኮል" ክብሉ ገሊፆም ።

ብኻልእ ወገን ህወሓት “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ዝብሎም ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ተዋጋእቲ ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ዝተሰምየ ውድብ መራሒ ምዃኖም ዝዝረበሎም ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝኸፈትዎም መጥቃዕቲ ትግራይ ዝተዓፀዉዋ በርታት ንምኽፋትን መንግስቲ ትግራይ እናበሉ ዝፅዉዕዎ ኣካል ዘቀመጦ ቅድመ ኩነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽቅበሎም ተጽዕኖ ንምፍጣርን ምዃኑ ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG