ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣመሪካ ብዝሒ ዘለዎም ሪፖብሊካዊያን ንስጉምቲ ምግዳድ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ብሕጊ ከምዝብድህዎ ይገልጹ ኣለው


ኣመሓደርቲ ክፍለ ግዝኣታት ሓዊሱ ቁፅሮም እናወሰኽ ይኸይድ ዘሎ ሪፓብሊካዊያን ሰራሕተኛታትን ፈደራል መንግስቲ ኣመሪካ ንናይ ፕረዚደንት ባይደን ስጉምቲ ምግዳድ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ብሕጊ ክንብድሆ ኢና ይብሉ ኣለው።

ክታበት ኮሮናቫይረስ ድልየት ፆታዊ ርክብ ሓዊሱ ሓይሊ ዘምክን እዩ ዝብል ኣመሪካዊት ህብብቲ ደራፊት ኒኪ ሚናዥ ብትዊተር ዝዘርግሐቶ ዝተጋገየ ሓበሬታ ሓዊሱ ሪፓብሊካዊያን ኣመሓደርቲ ንናይ ፕረዚደንት ባይደን ምግዳድ ክታበት ይቃወሙዎ ኣለው።

ምምሕዳር ባይደን ብዙሓት ኣመሪካዊያን ክኽተቡ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ዝገጥሞ ካብ ዘሎ ብድሆታት ድማ ሓደ እዚ'ዩ። ፕረ. ባይደን ኣመሓደርቲ ህይወት ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ስጉምቲ ክወስዱ ቅኑዕ ኣይኮነን ኢሎም ።

ኣስታት ዓሰርታታት ዝኾና ክፍለ ግዝኣታት ኣስገዳድ ክታበት ኮቪድ 19 ወይ መረጋገፂ ዝኽልክሉ ሕግታት ኣውፂአን ኣለዋ።

ዋላ'ዃ እቲ ክታበት ብነፃ ዝውሃብን ተዳልዩ ዝርከብን እንተኾነ 55 ሚእታዊት ኣሜሪካዊያን ጥራሕ እዮም ምሉእ ክትባት ወሲዶም ዘለው።

80 ሚእታዊት ዴሞክራትን ደገፍቲ ፖለቲካዊ ፓርቲ ዘይኮኑ ልዕሊ 60 ሚእታዊት ነቲ ኣስገዳድ ክድግፉዎ ከለው 30 ሚእታዊት ሪፓብሊካዊያን ጥራሕ ይድግፉዎ።

XS
SM
MD
LG