ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሕተምቲ አዲስ ስታንዳርድ ስርሓቶም ክቕጽሉ ፍቓድ ምርካቦም ይገልጹ


ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ፡ ብቛንቋ እንግሊዝ እትሕተም መጽሔት ኣዲስ-ስታንዳርድ፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያ ንህወሓት ኣፍልጦ ዝህብ ስያመ ብምጥቃማ ምኽልካላ ዝፍለጥ ኮይኑ እታ መርበብ ካብ ረቡዕ ኣትሒዛ፡ ስራሓ ክትቅጽል፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ከም ዝተዋህባ ኣመልኪታ ኣላ።ኣብቲ ብመዓል-መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ዝወጸ ሓድሽ ናይ ስያመ መምርሒ፡ ንኻልኦት ኣህጉራውያን መራኸቢታት’ውን ዘጠንቀቐ’ዩ ነይሩ።

“ንኣጀንዳ ህወሓት ከተሳሲ ጸኒሓ” ብዝብል ምስምስ ስራሓ ደው ከተብል መምርሒ ተዋሂቡዋ ዝጸንሐ፡ መርበብ ኣዲስ-ስታንዳርድ፡ ካብ ረቡዕ ኣትሒዛ ክትቅጽል ከም ዝተፈቕዳ ኣፍሊጣ። እታ ብእንግሊዘኛ እተሕትም፡ ዕለታዊ ዜና’ውን እተእንግድ ወርሓዊት መጽሔት፡ በዓል-መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምስራዝ ፍቓድ እታ መጽሔት ሕጋዊ ስሕተት ከም ዝነበሮ ድሕሪ ምእማን፡ ስራሓ ክትቅጽል ፈቒዱ ኣሎ። እንተዀነ፡ እታ መርበብ ከተውግዶ ዘለዋ ስያመ ከም ዝተረዳድኡ ግን ኣመልኪታ ኣላ።

በዓል-መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ንረድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ሓዊሱ ዝሰደዶ መጠንቀቕታ፡ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ዝብል ስያመ ዝጥቀም ማእከል መራኸቢታት ፍቓዱ ክኽልከል ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ካብ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህ.ወ.ሓ.ት. ኣብ ኲናት’ዩ ጸኒሑ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ድማ ባይቶ ኢትዮጵያ ነቲ ውድብ “ኣሸባሪ” ክብል ጸዊዑዎ።

ኣዲስ-ስታንዳርድ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ከም ዘዘርግሖ፡ ክልተ ላዕለዎት ኣከይድቲ እቲ ኣሕታሚ፡ ብሰኑይ ምስ ሰበ-ስልጣን በዓል-መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምርኻቦም፡ ካብ ረቡዕ ኣትሒዞም ክቕጽሉ ከም ዝተፈቐዶም ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ብምኽትል ሓላፊ'ቲ በዓል-መዚ ዮናታን ተስፋዬ ረጋሳ ተፈሪሙ ናብ ድምጺ ኣሜሪካ ዝተላእከ መጠንቀቕታ፤ “ትግራይ ሓንቲ ካብ ክልላት ኢትዮጵያ ብምዃና፡ ናይ ገዛእ-ርእሳ ናይ ምክልኻል ሓይሊ ሰራዊት ክህልዋ ኣይክእልን’ዩ። ስለዚ ድማ ‘ሓይልታት ትግራይ’ ዝብል ስያመ ምጥቃም፡ ነቲ ባይቶ ኢትዮጵያ ‘ግብረ-ሽበራዊ’ ኢሉ ዝገለጾ ህ.ወ.ሓ.ት. ኣፍልጦ ምሃብ ስለ ዝዀነ፡ ክብሪን ልዑላውነት ኢትዮጵያ ዝግህስ’ዩ፡” ዝብል ይርከቦ።

ቀጺሉ ድማ ንዅላተን ኣብ ኢትዮጵያ ክሰርሓ ፍቓድ ዝተዋህበን መራኸቢታት-ብዙሃን፡ ተመሳሳሊ ስያመ ምስ ዝጥቀማ ፍቓድ ክኽልከላ ምዃነን የመልክት።

ዳይረክተር ጀነራል በዓል-መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ፡ ኣቶ መሓመድ እድሪስ ምስ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ምምልስ’ውን፡ ነቲ መምርሒ ዝጠሓሰ ማዕከን ዜና ፍቓዱ ክስሕብ ምዃኑ ኣመልኪቱ ነይሩ።

እቲ በዓል-መዚ፡ “ገለ ኣህጉራውያን መራኸቢ-ብዙሃን ምስቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነጥፉ ዘቤታውያን ከተነጻጽሮም ከለኻ፡ ንገለ ስያመታት ብዘይ ስክፍታ ክጥቀምሉ ትዕዘብ። እቲ ዘገርም ከኣ ዋላ ኣብ ስራሓት ዜና ዘይነጥፉ ሰባት’ውን ብእኡ ተተባቢዖም ነቲ ቃላት ከዘውትሩዎ ምርኣይ’ዩ። ስለዚ እምበኣር ኢና ንዘቤታውያንን ኣህጉራውያንን መራኸቢታት ዜና እንታይ ኢሎም ክጽውዑ ከም ዘለዎም ኣትሪርና መምርሒ ንህብ ዘሎና። ኣብኡ ስሕተት ዝገበረ ድማ ብመሰረት ሕጊ’ዛ ሃገር ዘድሊ ስጕምቲ ክውሰደሉ’ዩ፡” ይብል ።

ምኽልካል ኣዲስ-ስታንዳርድ፡ ካብ ሓያሎ ንመሰል ፕረስ ዝጣበቓ ትካላት ከቢድ ነቕፌታ ኣስዒቡ’ዩ። እቶም ተጣበቕቲ ኣካላት ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺታት ድማ፡ ኢትዮጵያ ናብቲ ቅድሚ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምምጻኡ ዝነበራ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ጋዜጠኛታት ትምለስ ምህላዋ የመልክቱ።

XS
SM
MD
LG