ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣልሸባብ ሓላፍነት ኣብ ፓርላማ ሶማል ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ይወስድ


አባላት ፓርላማ ሶማል ቃለ መሓላ ኣብ ዝፍጽምሉ እዋን ዝተወስደ ሚያዝያ 14, 2022.
አባላት ፓርላማ ሶማል ቃለ መሓላ ኣብ ዝፍጽምሉ እዋን ዝተወስደ ሚያዝያ 14, 2022.

ታሕተዋይን ላዕለዋይን ኣብያተ ምኽሪ ሶማል ሎሚ ሶኑይ ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ኣብ ዝነበርሉ ብዘጋጠመ ደብዳብ ሞርታር ሽዱሽተ ሰባት ቆሲሎም።

ኣል-ሸባብ ነቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።

ቕድሚ'ቲ መጥቓዕቲ እቲ ኣኼባ ኣፈ-ጉባኤ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሚያዚያ 26 ናይ ታሕተዋይ ኣፈጉባኤ ድማ 27 ሚያዚያ ንምምራጽ ፓርላማ ብምሉእ ድምፂ ምስምማዑ ተፈሊጡ'ሎ።

ኣል-ሸባብ ኣብ ቁልፊ ቦታታትን መዕረፎ ነፈርት ሞቓዱሾን ተደጋጋሚ ናይ ሞርታር መጥቓዕቲ ምፍጻሙን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ትሽዓተ መጥቓዕትታት ምፍፃሙ ፖሊስ መዝጊቡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG