ዕጡቕ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ሓደ ወታሃደራዊ መደበር መንግስቲ ሶማል ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘካየዶ ብነታጊን ተኹሲን ዝተሰነየ መጥቓዕቲ ካብ ክልቲኡ ወገናት ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ’ሎ።
ብመሰረት ሓበሬታ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብ ዋና ከተማ ሞቃዲሾ 70 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ ትርከብ ዓውዲግል ዝተባህለ ወታሃደራዊ መደበር ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ብዝተኻየደ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ሰላማዊያን ሰባት’ውን ምሟቶም ሓቢሮም ኣለው።
ካፕቴን ሑሴን ዓሊ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ኣብ ጥቓ እቲ መጥቓዕቲ ዘጋጠመሉ ከተማ ዝርከብ ካልእ ወታሃደራዊ መደበር መንግስቲ ሶማል ነታጊ ዝሓዛ መካይን ናብቲ መዓስከር ከይበጽሓ ከምዝትኾሳ ብምግባር ነቲ መጥቓዕቲ ምክልካሎም ገሊጹ።
ንሱ ብተወሳኺ ካብ ክልቲኡ ወገን ጉድኣት ከምዝበጽሓ ብምግላጽ ብትክክል እቲ ቁጽሪ ግን ንግዚኡ ከምዘይተፈልጠ ሓቢሩ’ሎ።
ኣልሸባብ ብወገኑ ኣብቲ መጥቓዕቲ 50 ወታሃደራት መንግስቲ ምቕታሉን ክልተ ካብ ዕጡቓት አባላቱ ድማ ምሟቶም ገሊጹ’ሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ መንጎ ካብ ወገን መንግስቲ ዝሞቱ ኣብ ሬድዮ ሰራዊት’ታ ሃገር ዝሰርሕ ዝነበረ ሓደ ጋዜጠኛ በቲ መጥቓዕቲ ምሟቱ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሶማል ሓቢሩ’ሎ።
እዚ መጥቓዕቲ ዘጋጥም ዘሎ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ንዝበዝሓ ክፋል ከተማ ዓውዲግል ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ምቁጽጻሩ’ዩ።