ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ኬንያ ሓድሽ መጠንቀቕታ ይህብ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሶማል ዝመደብሩ ምስ ኣል-ቓዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ እስላማዊ ጥሩፍ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ኣብ ልዕሊ ኬንያ ሓድሽ መጠንቀቕታ ኣውፂኡ።ኣል-ሸባብ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ወታሃደራት ኬንያ ኣብ ውሽጢ ሶማል ክሳብ ዘለው ንከተማታት ኬንያ ምጥቓዕ ከምዝቕጽል ገሊጹ።

እቲ መግለፂ ብምውሳኽ መንግስቲ ኬንያ ንናይ እስላም መሬት ምውራሩ እንተድኣ ቀፂሉ ኣብ ውሽጢ ኬንያ መጥቓዕቲ ምፍፃም ክቕፅል እየ ይብል።

ኣብ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ ላዕለዋይ ተንታኒ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ኣል-ሸባብ ንዶባት ኬንያ ብምስጋርን ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ሽበራዊ መጥቓዕቲ ንምፍፃም ስግኣት ኮይኑ ክቅፅልን እዩ።ዝደለዮ ነገር እንተ ዘይረኺቡ ንሱ ድማ ወታሃደራት ኬንያ ኣብ ውሽጢ ሶማል ስርሒቶም ደው ክብል ዘቕርቦ ፃውዒት ተቐባልነት ዘይረክብ እንተኾይኑን ንኬንያ ንምጥቃዕ ዒላማ ምግባር ክፍትን እዩ"ኢሉ።

ኣል-ሸባብ ኣብ ሶማል ንመንግስቲ ሶማልን ስርሒት ዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ንልዕሊ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ክዋጋእ ፀኒሑ እዩ።

XS
SM
MD
LG