ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣልሸባብ ኣብ ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ ምፍጻም ምጅማሩ ኣሶሴይትድ ፕረስ ይገልጽ


ዕጡቓት ኣልሸባብ - ፋይል
ዕጡቓት ኣልሸባብ - ፋይል

ኢትዮጵያ ንዘጋጠማ ውሽጣዊ ህውከት ብምጥቓም ጥሩፍ ጉጅለ አል-ሸባብ፣ ዶብ ሰጊሩ ኣብታ ሃገር መጥቃዕቲ ምፍናው ከምዝጀመረ ኣሶሴትድ ፕረስ ገሊጹ።

ኣል-ሸባብ፣ ኣብ ልዕሊ’ታ ብብዝሒ ህዝባ ካልአይቲን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ መርኣያ ጸጥታ ትራኣይ ዝነበረት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ዂናትን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዘጋጥሙ ዓሌታዊ ግጭታትን እታ ሃገር ክሳዕ ክንደይ ንሓደጋ ዝተቓለዐት ኮይና ከምዘላ ሓባሪ እዩ።

ምምሕዳር ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ሓይልታቶምን፣ ብሕልፊ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ዓመት ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ውግእ ኣብ ዘቤታዊ ስእነት ሰላም ተጸሚዶም ይርከቡ።

ኣብ ፋውንዴሽን ሳሃን ዝነጥፍ ማት ብራይደን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ገዚፍ ወፍሪ ገይሩ ዘይፈልጥ ኣል-ሸባብ ናብ ኢትዮጵያ ምእታው፣ ርኡይ ስትራተጂካዊ ምዕባለ እዩ ክብል ይገልጾ።

ንሱ ወሲኹ ኣል-ሸባብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፣ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝተዳለወሉ ከምዝነበረ፣ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘቅንዕሉን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዳርጋ ዝወድቅ ኣብ ዝመሰለሉን እዋን ከምዝነበረን ይሕብር።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፣ ኣል-ሸባብ ብርክት ንዝበሉ ተወላዶ ሶማሌን ኦሮምያን ከምዘሰለፈን ዝሓበረ ማት ብራይደን፣ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣል-ሸባብ ምስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተላፊኑ ክንቀሳቀስ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከምዝሓድሮ ይገልጽ። ካልኦት ተንተንቲ ግና "እዚ ዘይመስል እዩ" ባሃልቲ እዮም።

ኣሃዱታት ኣል-ሸባብ፣ ናብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ኣንፈት ሞያሌ ኣትዮም ዝብሉ እሙናት ምንጭታት'ውን ኣለው። ማት ብራይደን ኣል-ሸባብ፣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ሓያል ትሕዝቶ እንተረኺቡ፣ ካብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ፣ ካብ ኬንያ ክሳብ ኡጋንዳ መጥቃዕታት ክፍጽም ዓቅሚ ክረክብ እዩ ይብል።

XS
SM
MD
LG