ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣልሸባብ ትማሊ ኣብ ሶማል ንዘጋጠመ መጥቓዕቲታት ሓላፍነት ወሲዱ


መዓርፎ ነፈርቲ ሞቃዲሾ
መዓርፎ ነፈርቲ ሞቃዲሾ

ዕጡቓት ኣልሸባብ ነቲ ትማሊ ኣብ ሶማል ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ፈጸምቱ ባዕልና ኢና ኢሎም።ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ ኣብቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቓዲሾ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓሙሽተ ወጻእተኛታት ዝርከብዎም ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።

ብመሰረት ሓበረታ ሰበስልጣን ጸጥታ ኣብ ከባቢ ከተማ በልደውን ብዝተፈጸመ ካልእ መጥቃዕቲ ድማ ሓንቲ ኣባል ባይቶ ጓለንስተይቲ ዝርከብዎም 30 ዝኾኑ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።

ኣልሸባብ ካብ 2009 ጀሚሩ ንመዓርፎ ነፈርቲ ሞቓዲሾ ደጋጊሙ ኣጥቂዑ፡ ብዙሓት ሰባት ድማ በቲ መጥቓዕቲታት ምሟቶም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG