ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣልሸባብ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ቀቲሉ


መንግስቲ ሶማል ታሪኻዊ ዓወት ኣብ ልዕሊ ጥሩፋት ኣኽረርቲ ጕጅለ ኣል-ሸባብ ተጎናጺፈ ንሓንቲ ስትራቴጂካዊት ወደባዊት ከተማ ተቆጻጺረ ክብል ድሕሪ ምግላጹ ሓደ መዓልቲ፡ ኣልሸባብ ሎሚ ሰሉስ ንሓደ ወታሃደራዊ መዓስከር ኣጥቂዑ፡ ሰፊሕ ክሳራ ምውራዱ ዝበጽሓና ዜና ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ሶማል’ውን ኮነሬል ዓሲር መሓሙድ መሓመድ ሻታቃይ ዝተባህለ ኣዛዚ ምቕታሉ ሎሚ ሰኑይ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

ኣልሸባብ ነቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓዊሱ 63 ወታሃደራት መንግስቲ ከም ዝቐተለ ገሊጹ ኣሎ። ኣዛዚ ሰራዊት ሶማል ግን በቲ መጥቃዕቲ እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኮነሬል ዝርከቦም ሓሙሽተ ወታሃደራቱ ምቕታሎም’ዩ ገሊጹ። እቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ’ውን 21 ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ምቕታሎም ኣመልኪቱ ኣሎ።

እቲ እስላማዊ ጉጅለ ኣብታ ካብ ሞቃድሾ 60 ኪሎ ሜትር ርሒቁ ዝርከብ መዓስከር ዕጡቓቱ ቅድሚ ምጥቅዖም ነተጕቲ ዝመልአት መኪና ናብ ቀጽሪ እቲ መዓስከር ኣጸጊዑ ክባራዕ ምግባሩ መሰኻኽርን ሰበስልጣን ጸጥታን ገሊጾም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG