ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣህጉራዊ ፈደረሽን ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ለበዳ ኢቦላ ንምክልኻል ናይ 9.4 ሚልየን ዶላር ገንዘብ ተማሕጺኑ

…

ኣህጉራዊ ፈደረሽን ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ለበዳ ኢቦላ ንምክልኻል ናይ 9.4 ሚልየን ዶላር ገንዘብ ተማሕጺኑ።

እቲ ገንዘብ ኣብ ጊኒ: ላይበርያ: ኮትዲቫር :ማሊ: ሰነጋል ከምኡ`ውን ሰራልዮን ንምርመራን ንኮሚኒታዊ ጽርየትን ከምዝውዕል`ውን እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ`ሎ።

ኢቦላ ዶብ ኣይግድሶን`ዩ ዝበለ ኣብ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ዳይሬክተር ኣፍሪቃ መሓመድ ሙኪር፡ ኣብ ጊኒ ዘሎ ዝተቐራረበ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ምትእስሳር ንምዝርጋሕ`ቲ ቫይረስ ሓደጋ ምዃኑ ይገልጽ።

ኣብ 2014 ዝተራእየ ለበዳ ኢቦላ ኣብተን ሃገራት ልዕሊ 11 ሺሕ ሰባት ምቕታሉ ይዝከር።

ጊኒ ንኢቦላ ዝኸውን 8,600 ዶስ ክታበት ካብ ኣሜሪካ ትጽበ`ላ ።

ሕቡራት ሃገራት ድማ ኣብ ጊኒን ኣብ ዲ ኣር-ሲን ንኢቦላ ንምውጋእ 15 ሚልየን ዶላር ካብ ማዕከን ህጹጽ ረድኤት የውጽእ ኣሎ ።

XS
SM
MD
LG