ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣህጉራዊ ኮሚቴ ህይወት ኣድሕን ድልድል ሩባ ተከዘ ምዕናው ገሊጹ


ድልድል ሩባ ተከዘ

ንናይ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ኣገዳሲ ምዃኑ ዝፍለጥ ድልድል ሩባ ተከዘ ከም ዝዓነወ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ህይወት ኣድሕን ሓቢሩ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ እቲ ምዕናው ድልድል ናብታ ብኹናት ዝተሓመሰት ክልል ረድኤት ንምብጻሕ ካብ ቅድሚ ሎሚ ብዝኸፍአ ደረጃ ከም ዝሓላለኾ እቲ ትካል ረድኤት ኣፍሊጡ`ሎ።

ነቲ ድልድል መን ከምዘዕነዎ ዛጊት ኣይተነጸረን። ወሃቢ ቓል ክልል ኣምሓራ ግዛቸው ሙሉነህ፡ ነቲ ድልድል መን ከምዘፍረሶ ክነጻርዮ ኢና ኢሉ`ሎ። ወሃቢ ቃል ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ኮሌነል ገትነት ኣዳነ ብወገኑ፡ ብዛዕብኡ ሓበረታ ኣለና ግን ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ክግለጽ`ዩ ምባሉ ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ`ሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG