ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ 50 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ሱዳን ሰሪዙ: ተወሳኺ 2.4 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ መዲቡ


ሰበ-ስልጣን ሱዳን ናብ ዲሞክራስን ምርጫን ገጾም ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣብዚ ሰሙን ካብ ባንክታት ዓለም ዝተገብረሎም ቁጠባዊ ሓገዝ ካብ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ዕዳ ኣውጺኡ ናብ ምርግጋእ ክወስዶም ተስፋ ይገብሩ`ለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዓበደላ ሓምዶክ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ሱዳን ሕጂ ነቲ ምሕረት ዕዳ ከምዝረኸቦን እቲ ሸኸም ኣብ ሓጺር እዋን ከምዝልዓልን ኣፍሊጡ።

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፡ ንሱዳን 50 ቢልየን ዶላር ዕዳ ክምሕራ ከሎ፡ 2.4 ቢልየን ድማ መዲቡ`ላ ሎ።

ብኻልእ ዜና ሱዳን፡ ትማሊ ረቡዕ ፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ስርሑ ከብቅዕን፡ ሓዲሽ ምርጫ ክግበርን ዝጽውዕ ኣድማ ኣብ ካርቱም ኣድማ ኔሩ። ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ነቲ ኣድማ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትዃሶም'ውን ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG