ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ: 422 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ወደባታ ክትዓፍ ፈቒዳ


ፋይል
ፋይል

ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 422 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ቺቺልያዊት ወደብ ኣውጉስታ ክትጽጋዕ ኢጣልያ ኣፍቂዳትላ።

እታ ኦሻን ቫይኪንግ ትብሃል ኣብ ፈረንሳ ዝመደበራ ናይ ህይወት ኣድሕን መርከብ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ስደተኛታት ከይተምጽእ ተኣጊዳ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዝሓለፈ ጥሪ ካብ ዝፍቀደላ ንድሓር ናብቲ ባሕሪ ተመሊሳ`ላ- ዛጊት`ውን 798 ሰባት ከምዘድሓነት ትገልጽ።

ሸሞንተ ካብቶም ትማሊ ዝኣተዉ ስደተኛታት ኣብ ወደብ ኢጣልያ ብዝተገብረሎም መርመራ ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም ኣሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመተ 2020 ኣስታት 95 ሺሕ ስደተኛታት ብባሕሪ ሚድተራንያን ከምዝሰገሩ- ልዕሊ 1,200 ግን ከምዝጠለቑ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG