ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ: 177 ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ወደባት ሲሲሊ ዝኣተወት መርከብ ከይትራገፍ ከልኪላ


ኢጣልያ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 177 ስደተኛታት ጽዒና ሎሚ ሶሉስ ኣብ ወደባት ሲሲሊ ዝኣተወት መርከብ ከይትራገፍ ከልኪላ።

እቶም ስደተኛታት ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ክኾኑ ከለው ነቶም ስደተኛታት ዝሓዘት መርከብ ትማሊ ሶኑይ ምሸት ኣብ ወደብ ካታንያ ምእታዋ እንተኾነ ኢጣልያ ከይትራገፍ ምክልኻላ ተሓቢሩ’ሎ።

ኢጣልያ: 177 ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ወደባት ሲሲሊ ዝኣተወት መርከብ ከይትራገፍ ከልኪላ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:56 0:00

ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቪኒ እቶም ስደተኛታት ክራገፉ ትእዛዝ ብዘይምሕላፉ እታ መርከብ ከምዘይተራገፈት፡ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ነቶም ስደተኛታት ከምዝቕበላ ከየረጋገጹ እታ መርከብ ከምዘይትራገፍ ሚንስተር ማትዮ ሳልቪኒ ገሊጾም ኣለው።

ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ ነቲ ካብ ኢጣልያ ዝቐረበ ጠለብ ንምምላእን ነቶም ስደተኛታት ንምቕባልን ምስ መፍትሒ ንምንዳይን አጋር ሃገራት ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ’ሎ።

ወሃቢ ቃል ትካል ግብረ ሰናይ 'ሴቭ ዘ ችልድረን" ጂ ዮቫኒ ደ በንዴቶ እቲ ኩነታት “ዘይሰብኣዊ’ዩ” ክብሉ ገሊጾም ኣለው።

ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ህጹጽ ናይ ህክምና ሓገዝ ንዘደልዮም 13 ስደተኛታት ካብታ መርከብ ዘግዓዙ ክኮኑ ከለው ብሰንኪ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ማልታን ዘሎ ምፍጣጥ እታ መርከብ ኣብ ዓለምለኻዊ ማያት ከምዘላ ይግለጽ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG