ዋሽንግተን —
መንግስቲ ኢጣልያ፣ ንዝርጋሐ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምግታእ ዝተግበሮ መምርሒ ህጹጽ ጊዜ ክሳብ 31 ታሕሳስ ኣናዊሕዎ።
ኣብ ቤት ብልዒ፣ መስተ፣ጅምናዝየም ዝኣምሰሉ ስፖርታዊ ማእከላትን ኣኼባታትን ኣትዮም ክዛነዩን ክዘናግዑን ንዝደልዩ ኢጣልያናዊያን ዝጥቀሙሉ ‘ሓምላይ ፓስፖርት’ ተዳልዩሎም ኣሎ።
ብዘይካ'ዚ፣ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ፣ አብያተ ትምህርቲን ናይ ስራሕ ስፍራን ዝጥቀሙሉ መተሓላለፊ ወረቀት’ውን ብመንግስቲ ኢጣልያ ተዳልዩ ከምዘሎ እቲ ዜና ይሕብር።