ዋሽንግተን —
ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቪኒ ሃገሮም ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 49 ስደተኛታት ከምዘይቕበሎም ሓቢሮም።
እቶም ስደተኛታት ብኢጣልያዊ ትካል ግብረ ሰናይ ሚዲተራንያ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ትማሊ ሶኑይ ድሒኖም ኣብ ገምገም ደሴት ላምፓዱሳ ይርከቡ እንተሃለው ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቪኒ ወደባትና ዕጽዋት’ዮም ዝብል ናይ ትዊተር መልእኽቲ ብምውፃእ ነቶም ስደተኛታት ከምዘይቕበልዎም ኣፍሊጦም ኣለው።
ንሶም ወሲኾም ሎሚ ንግሆ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሃገሮም በዞም ናይ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሰባት ተሓባበርቲ'ዮም ዝበልዎም ማህበራዊ ጉጅለታት “ስም ምጥፋእ” ሃገሮም ተስፋ ከምዘይትቆርጽ ሓቢሮም ኣለው።
ከንቲባ ላምፓዱሳ ቶቶ ማርቴሎ ንውሳነ ሚንስትር ሳልቪኒ ብምቕዋም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 3,000 ስደተኛታት ናብታ ደሴት ምእታዎም ሓቢሮም።