ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 64 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ወደባታ ከይትዓርፍ ከልኪላ


ፋይል
ፋይል

ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ሃገሮም ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብናይ ጀርመን መርከብ ንዝደሓኑ 64­ ስደተኛታት ከምዘይትቕበል ኣፍሊጦም።

እቶም ስደተኛታት ካብ ዋና ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ ንምዕራብ ኣብ ገማግም ከተማ ዙዋራ ኣብ ንእሽተይ ጀልባ ተጻዒኖም ማእከላይ ባሕሪ የቛርጹ ከምዝነበሩን 10 ደቂ ኣንስትዮ 5 ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ሓደ ዕሸል ከምዝርከብዎም ነቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ዘካየዱ አባላት ‘ሲ ኣይ’ ዝተባህለት ናይ ጀርመን መርከብ ገሊጾም።

ንሶም ብተወሳኺ ነቶም ስደተኛታት ኣብ መርከቦም ዝተቐበልዎም ሓይልታት ሊብያ ኣብቲ ቦታ ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም ምዃኑ ይሕብሩ።

አባላት’ታ መርከብ ኢጣልያ ወይ ማልታ ወደባተን ነታ መርከብ ክኸፍታ እንተሓተተት እዃ ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ እታ መርከብ ከምዝቐደማ ብመንግስቲ ዘይውነና መራኽብ ህይወት ኣድሕን ኣብ ወደባት ኢጣልያ ክትዓርፍ ከምዘይፈቕዱ ገሊጾም ኣለው

“ናይ ጀርመን ትካል ዝውንና ኣብ ትሕቲ ናይ ጀርመን ባንዴራ ትጉዓዝ መርከብ ኣብ ማያት ሊብያ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘካየደት ኣብ ኢጣልያ ክትዓርፍ ኣይትክእል’ያ።።”

አባላት’ታ መርከብ ብተወሳኺ ሃለዋት ኣስታት 50 ካብ ሶኑይ ጀሚሮም ክደልይዎም ዝጸንሑ ስደተኛታት ክሳብ ሕጂ ከምዘይተረኽበ ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG