ዋሽንግተን —
ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ኣብ ወደባት እታ ሃገር ከይትዓፍ ዝከልከልዋ ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ‘አኳይረስ' ሎሚ ሶኑይ ናብ ወደባዊት ከተማ ቫለንስያ ስጳኛ በጺሓ
እታ “ሓካይም ብዘይዶብ” ዝተባህለ ግብረ ሰናይ ትካል ትውነን መርከብ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ንዘድሓነቶም 450 ደቂ ተባዕትዮ፡ 7 ነፍሰጾራት ዝርከብዎም 80 ደቂ ኣንስትዮን ኣስታት 100 ዝኾኑ ህጻናት ሒዛ እያ ስጳኛ በጺሓ።
እቶም ስደተኛታት ቫልንስያ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን “እንኳዕ በደሓን መጻእኹም” ዝብል ብዝተፈላለየ ቋንቋ ዝተጻሕፈ ምልክታት ዝሓዙ ብዙሓት ሰባት ከምተቐበልዎም ተገሊጹ’ሎ።