ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ፤ ኣርባዕተ መዓልታት ከተንሳፍፍ ዝጸንሐት መርከብ ህይወት ኣድሕን ክትራገፍ ፍቓድ ረኺባ


ኦሽን ቫይኪንግ (Ocean Viking) ዝተባህለት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንዝተጸገሙ ተጓዓዝቲ እትድሕን መርከብ፡ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ምንስፋፍ፡ ብሰንበት ኣብ ወደብ ቱስካኒ ኢጣልያ ክትጽጋዕ ፍቓድ ረኺባ። እታ 95 ተጓዓዝቲ ሒዛ ዝነበረት መርከብ፡ ብየማናዊት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጂርጂያ መሎኒ ዝምራሕ መንግስቲ ንተግባራት ህይወት ኣድሕን መራኽብ ድሕሪ ምጽባኦም’ዩ ናብ ወደባት ኢጣልያ ክትጽጋዕ ክኢላ።

የማናዊ መንግስቲ ኢጣልያ፡ ነቶም ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ወደባቶም ከይጽግዑ፡ ንትካላት ግብረ-ሰናይ ዝጻባእ መምርሒታት ከውጽእ ጸኒሑ ኣሎ።

ትካላት ግብረ-ሰናይ ነቲ ተግባር፡ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ንኽሞቱ ከም ምግዳፍ ገይሮም ይርእዩዎ።

ከም ሓበሬታ እቲ ትካል ግብረ-ሰናይ፡ እቶም ብመርከብ ኦሽን ቫይኪንግ ዝደሓኑ ተጓዓዝቲ ናብ መጸግዒ ቦታ ክሳብ ዝበጽሑ ጥራይ፡ ካብ መንጎኦም ኣርባዕተ ሞይቶም።

ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዓመተ 2023 ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ንኤውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ ድሮ 33 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG