ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ ንአባላት'ታ ስደተኛታት ጽዒና ንዝሓለፈ 7 መዓልታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘላ መርከብ ከምዝኸሱ የጠንቕቁ


ሚንስትር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ኢጣልያ፣ ንኣባላት እታ ኣብ ወደብ ኢጣልያ ንከይትኣትው ተኣጊዳ ዘላ መርከብ ክንኸሶም ኢና ክብሉ የፈራርሑ።

‘ሲ ዋች 3’ ዝተባህለት መርከብ ኣብ ወደብ ሲሲሊ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣትሒዛ ደው ኢላ’ላ። እታ መርከብ ቅድሚ መዓልታት ነቶም ኣብ ባሕሪ ሜደትራንያን ዘድሐነቶም 47 ስደተኛታት ኣሳፊራ ኣላ።

መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ወደብ ሲሲሊ ንክኣትው ክፈቕደሎም ሓቲቶም’ዮም። ሴኔጋላዊ ስደተኛ “ንኩሉ ወገን ንልምን ኣለና። ንነፍሲ ወከፍ ወገን ንልምን ኣለና። መንግስቲ ኢጣልያ ንከርክበልና ንልምን ኣለና። ሓገዝ ከምዘድልየና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ሓገዝ የድልየና።”

ኣብ’ታ መርከብ ዝርከብ ፍራንክ ዶርነር ዝተባሃለ ሓደ ዶ/ር መብዛሕተኦም እቶም ስደተኛታት ብሰንኪ ውጥረት ካብ ዝመጽእ ሕልናዊ ቃንዛ ይሳቀዩ ከምዘለው ጠቒሱ ኣሎ።

“ኣገልግሎት ጽርየት’ዛ መርከብ፣ ነዊሕ ጊዜ ንዝጸንሑ ሰባት ተሓሲቡ ዝተሰርሐ ኣይኮነን። ንሕና ንልግሶ ሕክምናዊ ኣገልግሎት’ውን እንተኾነ፣ ኣብ ከቢድ ሕማም ዝሓደሮም ጥራሕ ዘማእከለ’ዩ። ስነ ኣእምሮኣዊ ክንክን ኣይንልግስ ኢና። መብዛሕተኦም ስደተኛታት ግና ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገም ዘለዎም’ዮም።”

ኣብ’ታ መርከብ ዘለው ስደተኛታት መጥቃዕቲ ተፈጺምዎም፣ ተቐጥቂጦም፣ ብጾቶም እናተቐትሉ ከለው ብዓይኖም ዝራኣዩ’ዮም ይብል፨

ሚኒስትር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ኢጣልያ ማቲኦ ሳልቪኒ ግና፣ ወደባት ጣልያን ነታ መርከብ ንከተኣናግዳን እቶም ስደተኛታት ንክወርዱን ኣይፈቀደን ዘሎ። ካብኡ ሓሊፉ፣ ኣብ ሰብኣዊ ተግባራት ዝተዋፈሩ መርከበኛታት ሲ ዋች 3፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ስደተኛታት ተዋፊሮም’ለው ኢሉ ከምዝኸሶም ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG