ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ፡ ንስደተኛታት ሓገዝ ትህብ መርከብ ናብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምብጋሳ ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኢጣልያ ንስደተኛታት ሓገዝ ትህብ መርከብ ሎሚ ሓሙስ ናብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምብጋሳ ኣብታ ሃገር ዝመደበረን ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ገሊጸን።

ምብጋስ እታ መርከብ ዝተገለጸ ንነዊሕ እዋን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓገዝ ትህብ ዝነበረት መርከብ አኳይረስ ናብ ወደባት ማርሰል ኣብ ዝበጽሓትሉን ፓናማ እታ መርከብ ኣብ ትሕቲ ባንዴራኣ ከይትጉዓዝ ድሕሪ ምክልኻላ’ዩ።

እታ ‘ማር ጆኒ’ ዝተባህለት ሓዳሽ መርከብ ኣብ ትሕቲ ናይ ኢጣልያ ባንዴራ ከምትጉዓዝን ካብ ወደብ አጉስታ ሲሲሊ ትማሊ ረቡዕ ምብጋሳን ተፈሊጡ’ሎ።

እታ መርከብ ስደተኛታት ንምሕጋዝን ናብ ውሑስ ወደባትን ንምግዓዝ ዘይኾነ ኣብ ሓደጋ ዘለዋ ስደተኛታት ዝጸዓና መራኽብ ንምልላይ ናብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምውፋራ ተገሊጹ።

ብተወሳኺ ህላወ’ታ መርከብ ነቲ ብወታሃደራዊ መራኽብ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያን ዓለምለኸ ሓለዋ ባሕሪን ዝተዓበለለ ማእከላይ ባሕሪ ሲቪላዊ ህላወ ንኽሕልዎ ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ።

ኣቐዲሙ ናይ ስጳኛ ዘይመንግስታዊ ትካል ፕሮኣክቲቫ ኦፕን ኣርምስ ‘ኣስትራል’ ዝተባህለት መርከቡ ናብቲ ከባቢ ሊብያ ምልኣኹን ይዝከር።

እታ መርከብ ብተወሳኺ ንዝኽሪ መበል ሓሙሻይ ዓመት ኣብ ገማግም ላምባዱሳ ዝሞቱ 366 ስደተኛታት ናብቲ ወደብ ምኻዳ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ ኣብ 2013 ዓ.ም ኣብ ላምባዱሳ ዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል 366 ስደተኛታት ኢጣልያ ስደተኛታት ንምድሓን ወታሃደራዊ ስርሒት ዘካይዳ መራኽብ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ክተውፍር ዝደረኸ ክከውን ከሎ ድሒሮም ዘይመንግስታዊ ትካላት’ውን ነቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ተሓዊሶሞ። እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን መብዛሕትኦም ሓገዝ ወሃብቲ መራኽብ ዘይመንግስታዊ ትካላት ነቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘካይድዎ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ደው አቢሎም ኣለው።

ጸብጻብ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ድሕሪ ናይ ላምባዱሳ ሓደጋ ኣስታት 15,000 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምሟቶም ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG