ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ: ንሓድሽ እገዳ ቫይረስ ኮሮና ብምቅዋም ሰልፊ ተኻይዱ


ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢጣልያ፥ ንሓዲሽ እገዳ ቫይረስኮሮና ንምቅዋም ሰልፍታት ተኻይዱ።

እቲ ኣብ 15 ከተማታት ዝተኻየደ ሰልፊ ጎንጻዊ ምንባሩ'ውን ተፈሊጡ'ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ መንግስቲ ኢጣልያ ንሓዲሽ ማዕበል ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ሓዲሽ መምርሒ ድሕሪ ምውጽኡ'ዩ።

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ናእሽቱ ከተማታት ከይተረፈ ዝተቖጥዑ ሰልፈኛታት ናብ ጽርግያታት ወጺኦም: ነቲ ሓዲሽ እገዳ መንግስቲ ከምዘይቅበልዎ ገሊጾም። መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ምልእቲ'ታ ሃገር ሓዲሽ እገዳ ዘውጽአ፡ ንዝርግሐ ሓዲሽ ተርእዮ ቫይረስኮሮና ጠጠው ንምባል'ዩ።

ቀዳማይ ሚንስተር ጂሰፐ ኮንተ፥ንኢጣልያውያን ክዛረብ ከሎ፥ እዚ ለበዳ ኣብ ዝብድሃና ዘሎ እዋን፡ ብስጭት፡ ቁጥዐ፡ ከምኡ'ውን ዘይምዕሩይነት ከምዘስዕበልና እርዳእ 'የ፡ ኢሉ።

"ብዙሓት ኣብያተ ንግዲ ይጉዳኣ ስለዘለዋ፡ ንምሕጋዘን መዲብና ኣለና ኢሉ።በዚ ሓዲሽ እገዳ ንዝጉድኣ ኩለን ኣብያተ ንግዲ፡ ንምድጓመን ባጀት ሰሊዕናለን ኣለና ኢሉ።"

ሕጂ ኣንጻር'ቲ እገዳ፡ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣብ ዝተባራዓሉ እዋን፥ ሰበ-ስልጣን ኢጣልያ፥ ነቲ ቑጥዐ ንምዕጻፍ፡ እቲ ድጎማ እኹል ክኸውን ተስፋ ይገብሩ።

ኢጣልያውያን በቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መጀመርያ ዝተሃርሙ እዮም፡ ከምኡ ድማ ብጽኑዕ እገዳ ዝተሃዩ'ዮም፡ ኣብ ኤኮኖሚ ኢጣልያ ዝወረደ ጉድኣት'ውን ከቢድ 'ዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ግን፡ ኢጣልያውያን ነቲ ሓዲሽ እገዳን መምርሕታት መንግስትን ንምኽባሩ ድልየት ዘለዎም ኣይመስልን።

የማናዊ ጽንፋውያንን ዝተወደቡ ጉጅለታት ገበንን'ውን ብድሕሪ'ቲ ዳሕራዋይ ጎንጺ ኣለዉ ይብሃል'ዩ።

ከም ኣብ ቱሪን፡ ሚላኖ፡ ናፖልዮ፡ ሮማ ዝበሉ ከተማታት፡ ኣማኢት ሰልፈኛታት፡ ንድኳናት ወሪሮም: ንመስመራት ባቡራት ኣዕንዮም፡ ንበራሚል ጉሓፋት'ውን ኣቃጺሎም።መንእሰያት ጠራሙዝ እንደርበዩ፡ ናጽነት፡ ናጽነት እናበሉ ይጭድሩ ኔሮም።

ብዙሓት ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ገለ ኣባላት ፓርላማ ገዛኢ ፓርቲን ከይተረፈ፥ እቲ ተሃስዩ ዝጸንሐ ኤኮኖሚ ዳግም ክትንስእ ኣይክእል'ዩ ብምባል ነዚ ሓዲሽ እገዳ ኣይተቐበልዎን፡ ።

መራሒ ዓቃባያን ማቲዮ ሳልቪኒ፡ ንመንግስቲ ናብ ቤት ፍርዲ ክኸስስ' የ ይብል ኣሎ።

ገለ ነጋዶ ተስፋ ቆሪጾም ንሓዋሩ ክንዓጽዎ ኢና ክብሉ ኸለዉ፡ ገለ ደገፍቲ'ቲ እገዳ ዝኾኑ ተመራመርቲ ድማ፡ እቲ ክሳብ ሕዳር 24 ዝተወሰነ ምዕጻው፡ እኹል ኣይኮነን፡ ድሮ'ኳ ዓራውቲ ጽኑዕ ክትትል ቀልጢፉ ክትሓዝ ጀሚሩ'ሎ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG