ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ: ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ወደብ ካታንያ ዝጸንሑ ስደተኛታት ክራገፉ ኣፍቒዳ


ኢጣልያ: ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ወደብ ካታንያ ዝጸንሑ 150 ስደተኛታት ትማሊ ሰንበት ክራገፉ ኣፍቒዳ።

እቶም መብዛሕትኦም ኤርትራዊያን ዝኾኑ ስደተኛታት ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ነቶም ስደተኛታት ከምዝቕበልዎም ከየፍለጡ ናብ ወደባታ ከምዘይራገፉ ብምግላጻ ንዝሓለፈ ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ወደብ ካታንያ ኣብ መርከብ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኢጣልያ: ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ወደብ ካታንያ ዝጸንሑ ስደተኛታት ክራገፉ ኣፍቒዳ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:45 0:00

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብዘይመንግስታዊ ትካላት ዝውነና መራኽብ ንዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ወደባት ኢጣልያ ከይራገፉ ዝብል መርገጺ ክኽተሉ ዝጸንሑ ሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት’ታ ሃገር ማትዮ ሳልቪኒ ሓላፍነት ብግቡእ ዘይምጥቓም፡ ምጭዋይን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ብዝብል ብዓቃብ ሕጊ ዝቕረበሎም ክሲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ ራኸቢ ብዙሃን ኢጣልያ ሰለስተ ካብቶም ስደተኛታት ሕማም ቲቢ፡ ክልተ ድማ ሕማም ነድሪ ሳንቡእ (ኒሞንያ) ዘለዎም ከምዝተረኽቡ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰብሞያ ብምጥቃስ ሓቢሮም ኣለው።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ከተማ ሲሲሊ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝተወስዱ ክኮኑ ከለው ስዒቡ ናብ ኣየርላንድ ኣልባንያን ከምዝጣየሱ ተገሊጹ’ሎ።

ካብ 2014 ክሳብ ሕጂ ኣስታት 650,000 ስደተኛታት ኢጣልያ ምእታዎምን ዋላ’ዃ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቁጽሪ ስደተኛታት እንተጎደለ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ነቶም ስደተኛታት እንተዘይተቐቢሎም ስደተኛታት ዝጸዓና መራኽብ ኣብ ወደባት ከይዓርፉ ከምትኽልክል ኢጣልያ ሓቢራ’ላ።

XS
SM
MD
LG