ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ፡ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ወደባታ ዝዓረፈት መርከብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትያ


ኢጣልያ፡ስደተኛታት ንዝጸዓነት መርከብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:11 0:00

ኢጣልያ፡ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ወደባታ ዝዓረፈት መርከብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትያ

ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቪኒ 30 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዘድሓነት ብናይ ግብረ ሰናይ ትካል ትውነን መርከብ ዳግማይ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዘይትገይሽ ኣፍሊጦም።

እቶም ክልተ ነፍሰጾራት፡ሓደ ዕሸል፡ ክልተ አላይ ዘይብሎም ህጻናት ዝርከብዎም 30 ስደተኛታት ትማሊ ሓሙስ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝደሓኑ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ብትካላት ግብረ ሰናይ ዝካየድ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ምስ ዘይሕጋዊን ኣስገርቲ ሰባት ምትሕሓዝ ኣለዎ ብዝብል ወደባት’ታ ሃገር ንመርከባት ግብረሰናይ ትካላት ዕጽው ምዃኑ ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እተን ትካላት ነቲ ክሲ እንተነጸጋ’ኳ ብሰንኪ ዘጋጥም ዕንቅፋታትን ተደጋጋሚ ምርመራ ሰበ ስልጣን ኢጣልያን ናብ ማእከላይ ባሕሪ ምጋሽ ደው ከምዘበላ ይገልጻ።

እታ ማር ጆኒ ዝተባህለት መርከብ ኣብ ወርሒ መጋቢት ብተመሳሳሊ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ኣብ ላምፓዱሳ ብምርጋፋ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ ምንባራ ይዝከር።

ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቪኒ ነዚ ዳሕረዋይ ፍጻመ ብዝምልከት ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ዘስፈርዎ መልእኽቲ እታ መርከብ ዳግማይ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዘይትገይሽ ኣፍሊጦም ኣለው።

ወነንቲ’ታ መርከብ ግን ብዛዕባ’ዚ ውሳነ ከምዘይተሓበሮም ይገልጹ።

ሚንስትር ሳልቪኒ ናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ንደሓር ኣብዚ ዓመት’ዚ ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኢጣልያ ዝኣተው ቁጽሪ ስደተኛታት 873 ምኳኑ እዚ ድማ ምስ ናይ 2017 ክወዳደር ከሎ ብ98 ሚእታዊት ክጎድል ከሎ ምስ ናይ 2018 ብ91 ሚእታዊት ምጉዳሉ ተገሊጹ’ሎ።

ይኹን ደአ እምበር ምስ ምዕጻው ወደባት ኢጣልያ ንመርከባት ትካላት ገበርቲ ሰናይን ምጉዳል ቁጽሪ ኣብ እዘን መራኽብ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስደተኛታት ዝያዳ ሓደገኛ ጉዕዞ ክፍጽሙ ይግደዱ ከምዘልውን ብመሰረት’ዚ ድማ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ 70 ስደተኛታት ምሟቶም ኣላርም ፎን ዝተባህለ ትካል ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG