ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓን ናይ ሊብያ ሓላፍነት’ዩ ክትብል ስደተኛታት ዝጸዓና መራኽብ ምቕባል ትነጽግ


ፋይል
ፋይል

ኢጣልያ ብግብረ ሰናይ ትካላት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ንዝደሓኑ ስደተኛታት ዝጸዓኑ ጀልባታት ኣብ ወደባታ ከይዓርፉ ዘሕለፈቶ ውሳነ ቀጺላቶ’ላ፡ ብተወሳኺ ግብረ ሰናይ ትካላት ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስርሒት ደው ከብላን እቶም ስደተኛታት ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ክድሕኑ ክገድፍዎም ምትእትታዎም ደው ከብሉ ክትብል ጻውዒት ኣቕሪባ’ላ።

ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቪኒ “ ሰበ ስልጣን ሊብያ ነቲ ስደተኛታት ናይ ምርካብን ምድሓን ስርሒት ከካይዱን ነቶም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ክሰርሑ፡ ብግብረ ሰናይ ትካላት ዝውነና መራኽብ ጣልቃ ካብ ምእታው ደው ክብላ ኣለወን። ወደባት ኢጣልያ ድማ ነዞም ንዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሰባት ዝሕግዙ መራኽብ ግብረ ሰናይ ዕጽው ኮይኑ ክቕጽል’ዩ” ኢሎም።

ብሰንበት ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣስታት 1,000 ስደተኛታት ካብ ዝጸዓኑ ሽዱሽተ መራኽብ ናይ ርድኡና መልእኽቲ እንተበጽሖም ፡ ነቲጻውዒት ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብምትሕልላፍ እቶም ስደተኛታት ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ክለዓሉ ጌሮም።ከም ፕሮኣክቲቭያ ዝተባህለ ጉጅለ ግብረ ሰናይ ሓገዝ ምሃብ ዝፈተኑ ትካላት ድማ ሓገዞም ከምዘየድልይ ብሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ከምዝተነግሮም አባላት እተን ጉጅለታት ይገልጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ክልተ ስደተኛታት ዝጸዓና መራኽብ ትካላት ግብረ ሰናይ ኣንፈተን ናበይ ምኳኑ ንምፍላጥ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ደው ኢለን ከምዘለዋ ይግለጽ ኣሎ።እዘን ስደተኛታት ዝጸዓና ክልተ መራኽብ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ኮነ ማልታ ከይዓርፋ ተኸልኪለን ኣለዋ።

ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መስላት ነቲ ውሳነ ኢጣልያ ብተሪር ብምንጻግ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ’ቲ ናብ ዘይውሕስቲ ሃገር ሊብያ ክምለሱ ምፍቓዳ፡ እዞም ስደተኛታት ንዝያዳ ዓመጽ ክቓልዑ ተፍቕድ ኣላ ክብሉ ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG