ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ መራኽብ ህይወት ኣድሕን ኣብ ወደባት ከይዓርፋ ምኽልኻላ ቁጽሪ ሞት ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ክብ ዘብል’ዩ ክብሉ ሰብ ሞያ የጠንቕቑ


ፋይል

ኢጣልያዊያን ተመራመርቲ ብመሰረት ካብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ዝተአኸበ ሓበሬታ ኢጣልያ ወደባታ ንናይ ህይወት ኣድሕን መራኽብ ምዕጻዋ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንዘጋጥም ቁጽሪ ሞት ክብ ከምዘብል የጠንቕቑ።

ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማቶ ሳልቪኒ ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ንደሓር ብዘይመንግስታዊ ትካላት ዝውነና ናይ ህይወት ኣድሕን መራኽብ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ከይዓርፋ ምክልኻሎም ይፍለጥ። እዚ ፖሊስ ሚንስተር ሳልቪኒ ነቲ ናብ ኢጣልያ ዝኣትው ቁጽሪ ስደተኛታት ብ 80 ሚእታዊት ምጉዳሉን ካብ አባላት ፓርቲኦም ዘለዎም ደገፍ ብዕጽፊ እንተወሰኸ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ግን ቁጽሪ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ወይ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ክብ ምባሉ ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሚንስተር ሳልቪኒ ናብ መዝነት ዝመጽሉ ቑጽሪ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ስደተኛታት ገምጋም ኣብ መዓልቲ ካብ 3 ናብ 8 ክብ ምባሉ ተመራመርቲ ወሲኾም የረድኡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እታ እንኾ ብዘይመንግስታዊ ትካል ትውነን ዝነበረት መርከብ አኳይረስ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከይትንቀሳቀስ ብምክልካላ ስደተኛታት ዝሕግዛ ኮነ ሓገዝ ዝህባ መራኽብ የለዋን።

ንሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ሳልቪኒ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዒላማ እቶም ሚንስተር ውሕስነት ብዘይብሎም መራኽብ ማእከላይ ባሕሪ ንምቁራጽ ዝብገሱ ስደተኛታት ደው ንምባል ምኳኑ ይሕብሩ።

መራኽበን ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ዘንቀሳቀሱ ዘይመንግስታዊ ትካላት ምስ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ደቂ ሰባት ምትእስሳር ኣለዎም ንዝብል ብተደጋጋሚ ዝቐርበሎም ክሲ ክነጽጉ ምጽንሖም’ውን ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተወሳኺ ሓገዝ ወሃብቲ ከምዘድልይ ትማሊ ሶኑይ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG