ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣላውያን ብምትሓዝ ሓለቓ ማፊያ ሓጐሶም ይገልጹ


ጸጥታ ኢጣልያ ንነዊሕ እዋን ክህደን ዝጸንሐ ሓለቓ ጉጅለ ማፊያ መሲና ዴናሮ ብሰኑይ ድሕሪ ምሓዞም፡ ዜጋታት እታ ሃገር ሓጐሰም ይገልጹ ምህላዎም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።

እቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ክህደን ዝጸንሐ ዴናሮ፡ ሕክምና ኣብ ዝግበረሉ እዋን’ዩ ብሰኑይ ኣብ ፓሌርሞ ተታሒዙ።

ዴናሮ ብዝቐረበሉ ሓይሎ ክስታት ካብኡ እንኮላይ ብቕትለት ላዕለዋይ ጸረ-ማፊያ ኣኽባር ሕጊ ንሱ ኣብ ዘይነበረሉ ን20 ጊዜ ናይ ህይወት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ነይሩ።

ብኣሰቃቒ ግፍዕታቱ ዝፍለጥ ዴናሮ፡ ንሱ ብዝቐትሎም ግዳያት ምሉእ መቓብር ክመልእ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ ነይሩ።

ዴናሮ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ተኸዊሉ ደኣ ይጽናሕ እምበር፡ ኣብቲ ተሓቢኡሉ ዝነበረ ክፋል ደቡባዊ ሲሲሊያ ኰይኑ ግን ትእዛዛት ይህብ ምንባሩ ፖሊስ ኢጣልያ የመልክቱ።

XS
SM
MD
LG