ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጋድ: ኣብቲ ዞባ አጋጢሙ ዘሎ ደርቂ ንምምካት ሓገዝ ይሓትት


መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብቲ ዞባ አጋጢሙ ዘሎ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ዝበልዎ ደርቂ: ፖለቲካዊ ዘይምርግጋኣት እቲ ዞባ የጋድዶ ኣሎ ክብሉ የጠንቅቑ። ነቲ ን23 ሚልዮን ህዝቢ ናብ ሓደጋ ከቓልዕ እዩ ተባሂሉ ዝተሰግኣሉ ሓደጋ ንምክልኻል ንቅልጡፍ ምትእትታው ሓገዝ ወሃብቲ ይፅውዑ ኣለዉ።

ኣባል ሃገራት በየነ መንግስታት ትካል ልምዓት ምብራቅ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ጁቡቲ ፣ ኤርትራ ፣ ኢትዮጵያ ፣ ኬንያ ፣ ሶማል ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሱዳንን ኡጋንዳን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ተራኺበን ኣብ ሰብኣዊ:ፖለቲካዊን ፀጥታዊን መዳያት እቲ ዞባ ዘትየን።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ: ኬንያን ሶማልን ዝርከብ ን23 ሚልዮን ሰባት ንሕፅረት ውሕስና መግቢ አቓሊዑ ዝርከብ ሰብኣዊ ኩነታት ቀንዲ መዘራረቢ መበል 39 ዋዕላ መራሕት ሃገራት ኢጋድ ኮይኑ እዩ። ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ሃገራት እቲ ዞባ ደርቂ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ቅድሚ ምብፅሑ ንምክልኻሉ ክቃለሳ ከምዝግባእ ኣብቲ እዋን ተዛሪቦም ።

“እቲ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ኣጋጢሙ ዘሎ ዝኸፍአ ደርቂ ስግኣት ኣብ ውሕስና መግቢ ፈጢሩ ፣ ሃብቲ ማይ ኣንቂፁዎን ምምዝባል ሰባትን ፈጢሩ እዩ። እዚ ድማ ሓዱሽ ጎንፂ ክፈጥር ዝኽእል ወጥሪ ክለዓል ይገብር ኣሎ ። ብምኳኑ እዚ ድርቂ እናተጋደደ ናይ ዝበኣሰ ሳዕቤኑ ከይበጽሓን ክንቆፃፀሮ ይግበኣና።"

ገለ ከባቢታት እቲ ዞባ ንኣርባዕተ ተኸታተልቲ ወቅ፟ትታት ዝናብ ክረምቲ ዘይረኸበ እዩ። እዚ ድማ ሚልዮናት ሰባት መግቢ ፣ማይን መጋሃጫን ንምድላይ ክግዕዙ ኣገዲዱዎም እዩ።

መራሒ ሱዳን ዓብዱል ፋታሕ ኣል ቡርሃን ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ ደርቂ ኣብ ልዕሊ እቲ ዞባን ህይወት ሰባትን ከቢድ ፅልዋ ፈጢሩ እዩ ኢሎም ።

ንሶም ወሲኾም “እዚ ደርቂ ቀልጢፍና እንተዘይተቆ፟ፃፂርናዮ ኣብ 40 ዓመታት ውሽጢ ሪኢናዮ ዘይንፈልጥ እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ክኸውን ይኽእል እዩ። ደርቂ ንህዝብናን ጥሪታቱን ይቀ፟ትለልና ኣሎ፤ ከምኡ'ውን ኣብ ምስላጥ ልምዓታትና ዕንቅፋት ይኸውን ኣሎ።" ኢሎም

ሰብ ሞያ እቲ ኸባቢ ኣብ ዝመፅእ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ስጋብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዘሎ እዋን ዝናብ ክረምቲ ክረክብ ከምዘይኽእል ይትንብዩ።

ኣሚና ዓብዱላሂ ኣብ ምብራቅ፟ ኣፍሪቃ ዞባዊት ዳይሬክተር ኮንሰርን ዎርልድዋይድ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ እየን። ንሰን ኣብ ቀረባ ንሚልዮናት ዝባፃሕ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ እንተዘይተረኺቡ እቲ ዞባ ብጥምየት 350,000 ህፃናት ክስእን ከምዝኽእል እየን የጠንቅቓ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽቡ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮምሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፣ ሰላምን ደሕንነትን ዝኾኑ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዲዋይ ብወገኖም ኣባል ሃገራት ኢጋድ ሳዕቤናት ደርቂ ንምቅ፟ራፍ ኣብ ዝገብርዎ ፃዕሪ ኣፍሪቃዊያን ዓለምለኸ መሓዙትን ብምትሕብባር ኣብቲ ቃልሲ ኢዱ ከምዝሓውስን ቀፃልነት ዘለዎ ምዕባለን ልምዓትን ኣብ ምስፋን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝለዓለ ደገፍ ከምዝገብር ኣብቲ እዋን ገሊፆም።

ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኬንያ ሄንሪየት ጋይገር ኣብቲ ዋዕላ ከምዝበልዎ ሕብረት ኣውሮጳ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ካብ ዩክሬን ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን እኹል መግቢ ዝጉዓዓዘሉ ኣገባብን ብተወሳኺ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብ ቀረባ 648 ሚልየን ዶላር ስርዓት መግቢ ቀርኒ አፍሪቃን ተፃዋርነትን ንምሕያል ፃዕሪ ይገብሩ ምህላዉ ተዛሪቦም።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስጋብ ዝመፀእ ወርሒ ሓገዛት ንምቅ፟ራብ ብውሑዱ 4.4 ቢልየን ዶላር ከምዘድልዮ እንተገለፀ'ኳ ካብ ለገስቲ ዝተረኽበ ሓገዝ ግን ሸቶኡ ዝወቅ፟ዐ ከምዘይኮነ ይሕበር።

XS
SM
MD
LG