ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢዲፒ ንሓድነት ኢትዮጵያን ቁጠባዊ ረብሓ ህዝባን ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ


ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ /ኦዲፒ/ ንሓድነት ኢትዮጵያን ቁጠባዊ ረብሓ ህዝባን ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።ምኽትል ኣቦ መንበርን ዋና ኣምሓዳሪ ክልል ኦሮሚያን ኣቶ ለማ መገርሳ መበል 29 ዓመት ምስረታ’ቲ ፓርቲ ምኽንያት ብምግባር ኣብዘስምዕዎ መደረ እዮም ነዚ ዝበሉ።

ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ኣቶ ለማ መገርሳ እዚ ናይ ሎሚ በዓል ካብቶም ዝሓለፉ 28 ዓመታት ዝተፈለየ እዩ፤ምክንያቱ ዝለዓለ መስዋእቲ ተኸፊሉ ዝተረኸበ ዓወት ስለዝኾነ ኢሎም።ህዝቢ ናይ ልምዓትን ቁጠባን ተረባሒ ንምግባር ብሓባር ደው ክንብል ኣለና ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ተወዳደርቲ ውድባት ንሓድነት ህዝቢ ክሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።መናእሰይ ብዝኸፈልኩምዎ መስዋእትነት ኣብዚ በፂሕና ኣለና ዝበሉ ኣቶ ለማ ዝመፀ ለውጢ ከም ሃገር ንምቕፃል ብምድምማፅን ምትሕግጋዝን ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

ኢዲፒ ንናይታ ሃገር ሰላምን ሓድነትን ከምዝሰርሕን ናይታ ሃገር ብሄርን ብሄረሰባትን ረብሓ ከምዝሕሉን እውን ገሊጾም።

“ኦዲፒ ንህዝቢ ኦሮሞ ዝቃለስ ውድብ እዩ።ህዝቢ ኦሮሞ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተፈሊዩ ዝርአ ህዝቢ ኣይኮነን።ዝዓበየ ኣካል ኢትዮጵያ እዩ።ንህዝቢ ኦሮሞ ክንቃለስ ከለና ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምቅላስ ማለት እዩ።በዚ ኣጋጣሚ ሃገርና ኢትዮጵያ ሓደ ኮይና፣ህዝባ ተኸባቢሮም፣ሓደ ኮይኖም፣ብሄርን ብሄረሰባትን ማዕረ ኮይኖም፣ብሰላም ዝነብርሉላ ሓዳስ ኢትዮጵያ ንምፍጣር ፓርትና ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ንሓድነት ህዝቢን ሰላምን ኢትዮጵያ፣ንኽብራ ዝቃለስ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክነረጋግፀልኩም ይደልይ።”

ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣብ ፀልማት ኮይኑ ናይ ሎሚ ብርሃን ዝርኣየ እዩ ዝበሉ ምኽትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጅነር ታከለ ኡማ ውድቦም ንህዝቢ ኦሮሞ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ናይዛ ሃገር ህዝቢ ብሓባር፣ብሰላምን ብፍቕርን ከገልግል እዩ ኢሎም።

ከንቲባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ሕቶ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምምላስን መነባብርኡ ንምቕያርን ብዙሕ ስራሕ ይፅበዮም ከምዘሎን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣድልዎ ንምግልጋልን ንኹሉ ንምስማዕን ድማ ቃል ኣትዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኢዲፒ ንሓድነት ኢትዮጵያን ቁጠባዊ ረብሓ ህዝባን ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:16 0:00


XS
SM
MD
LG