ሸውዓተ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኢትዮጵያ ተዋሂዶም ዝፈጠሩዎ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ/ኢዜማ/ ዝተባህለ ፓርቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ፈላማይ ኣኼብኡ ኣካይዱ።
ኣብ ክንዲ ኣብ ብሄር ዘተኮረ ንዜግነት ቀዳምነት ከምዝህብ ዝገልፅ ሓድሽ ፓርቲ ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ/ኢዜማ/ ኣብ ዝቕፅል ሃገራዊ ምርጫ ቅድሚ ምውድዳሩ ቀዳምነት ዝህቦ ጉዳይ ምርግጋእ ሃገር እዩ ክብል ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት’ቲ ፓርቲ ኣቶ ናትናኤል ፈለቀ ገሊጹ።
“ቅድሚ ኩሉ ኣብ ኩሎም ናይ ኢትዮጵያ ክፋላት ዝነብሩ ዜጋታት ብሰላምን ነፃነትን ወፂኦም ዝኣትውሉ፣ዝተረጋገአን ሰላም ዝሰፈኖን ናብራ ክነብሩ ዘኽእል ኩነታት የድልየና።ኢዜማ ነቲ ለውጢ ንምስካንን ሃገር ንምርግጋእን ምስ ኩሎም አካላት ብምትሕብባር ክሰርሕ እዩ።”
እቲ ለውጢ ንኹሎም ዜጋታት ብማዕረ ዝርእይ ትካላዊ መዋቕር ክህልዎ ከምዝሰርሕ እውን ወሲኾም ገሊፆም።
እቲ ፓርቲ ንጌጋታት ምምሕዳር ዶ/ር ኣብይ ንምንቃፋ ተበግሶ ውሒዱዎ ንዝብል ኣብቲ መድረኽ ንዝቐረብ ሕቶ መልሲ ዝሃቡ መራሒ ናይቲ ፓርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ርእይቶ ካብ ምሃብ ኣይተቖጠብናን ኢሎም።
“ኣብ ዝኾነ ጉዳይ መግለጺ ኣይነውፅእን ክንብል ከለና ንሪኦም ጌጋታት ነቲ መንግስቲ ኣይንዛረበሉን ማለት ኣይኮነን።ሎሚ ዝተዛረብኩዎም 30 ገፅ ዝኸውን ሽግራት ናይቲ ስርዓት ኣዳሊና ሂብናዮም ኢና።”
ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ ግን ኸአ ብሄር መሰረት ዘይገበረ ናይ ፌደራል መንግስትን ዞባዊ ምምሕዳርን ክህልውን ዞባዊ ምምሕዳር ድማ ብኣቀማምጣ መሬት፣ቋንቋ፣ባህሊ ስነልቦናዊ ምትእስሳር፣ታሪኽ፣ናይ ሃብቲ ዝርግሐን ፍትሓውነትን ንሃገራዊ ምርድዳእ ምችው ኩነታት ምፍጣርን ዝብሉ መሰረት ዝገበረ ክኸውን እዩ ድልየትና ኢሎም።
ኣዲስ ኣበባን ናይ መን እያ ዝብል ሕቶ ናይ ዕቡዳት ሕቶ እዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ኣዲስ ኣበባ ናይ ነበርታ እያ ዝብል ዝፀንሐ መርገፂና እዩ፤ንመጻኢ እውን መርገጺና ኣይቕየርን ኢሎም።
መርገፂ ኢዜማ መሬት ናይ ውልቂ፣ናይ ሓባርን ናይ መንግስቲ ክኸውን ኣለዎ ይብል ።ብመሰረት ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ መሬት ዘይሽየጥን ዘይልወጥን እዩ ዋንነቱ ድማ ናይ መንግስትን ህዝብን እዩ ይብል።