ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢዜማ ፈላማይ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ መቐለ አካይዱ


ውድብ ማሕበራዊ ፍትሒ ንዜጋታት ኢትዮጵያ (ኢዜማ) ፕሮግራም እቲ ውድብ ንምልላይ ኣብ ከተማ መቐለ ትማሊ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ:: ኣብቲ መድረኽ ዝነበሩ ተሳተፍቲ ንዘልዓልዎ ሕቶታት ድማ ምላሽ ተዋሂብዎም:: ካብ ዝምስረት ሰለስተ ኣዋርሕ ዝገበረ ማሕበራዊ ፍትሒ ንዜጋታት ኢትዮጵያ (ኢዜማ) ኣብ ትግራይ ንፈለማ ግዜ’ዩ ህዝባዊ ኣኼባ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ኣካይዱ::

ነቲ መድረኽ ዝኸፈቱ ምክትል መራሒ ኢዜማ ኣይተ ኣንዱዓለም ኣራጌ ውድቦም ኣብ ከተማ መቐለ ኣኼባ ንከካይድን ውፅኢታዊ ክኸውን ንዝገበሩ ህዝቢ’ታ ከተማን መንግስቲ ክልል ትግራይ ንዝገበረሎም ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቦም:: እቲ ኣኼባ ብሰላማዊ መንገዲ ክዛዘም ድማ ኣካላት ፀጥታ ንዝገበርዎ ድጋፍ ኣመስጊኖም::

ኣይተ ኣንዱኣለም " ገለ ሰባት ንትግራይ ከይድካ ህዝባዊ ኣኼባ ምክያድ ዳርጋ ናብ ሰሜን ኮርያ ከይድካ ሰላማዊ ሰልፊ ምፅዋዕ ይቖጽርዎ" ክብሉ ተዛሪቦም:: "ትግራይ ንዓይ ዓደይ እዩ: ጭውነት ህዝቢ ሎሚ እውን ተዓቂቡ ረኺብናዮ" ክብሉ ገሊፆም። ህዝቢ ትግራይ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ዘይቀረበሉ ህዝቢ እዩ ኢሎም ከምዝኣምኑ ድማ ሓቢሮም:: ኣብቲ መድረኽ ዝቐረቡ ርእይቶታት ነቔፌታ ዝበዝሖም ምንባሩ ዝገልፁ ኣይተ ኣንዱኣለም እዚ ድማ ከም ፈላማይ መድረኽ ትፅቢት ንገብሮ እዩ ኢሎም:: ኣብ ሸውዓተ ወረዳታት ትግራይ ኢዜማ ኣባላት ከምዝወደበን ብቐፃሊ ድማ አሓይሉ ክሰርሕ እዩ ኢሎም::

ኢዜማ ፈላማይ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ መቐለ አካይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:25 0:00

ፕሮግራም እቲ ውድብ ዘላለዩ ኣይተ ሃብታሙ ኪታባ ብወገኖም ኢዜማ ፌዴራላዊ ዘይተማእኸለ ስርዓት ምምሕዳር ክኽተል እዩ ኢሎም:: ሐዚ ዘሎ ሕገመንግስቲ ኣብ መሰል ውልቀሰባት ጠመተ ብዝገበረ መልክዑ ክመሓየሽ ውድቦም ድልየት ከምዘለዎ ተዛሪቦም:: ኣብ ቁጠባዊ ጉዳይ ድማ ነፃ ዕዳጋ ክህልው ኢዜማ ክቃለስ እዩ ኢሎም::

ኣብቲ ህዝባዊ መድረኽ ብርክት ዝበሉ ሕቶታትን ርእይቶትን ዝቐረቡ ክኾኑ ከለው ኣብቲ መድረኽ ብተደጋጋሚ ካብ ዝተልዓሉ ጉዳያት ኣብ መሪሕነት ኢዜማ ዘለዉ ውልቀሰባት ቴሌቪዥን ኢሳት ብምጥቃም ንህዝቢ ትግራይ "95 ሚልዮን ን5 ሚልዮን እዩ’ቲ ቃልሲ ብዝብል ምፅናት ዓሌት ዝኣወጁ እዮም" ንምንታይ ይቕሬታ ከይሓተትኩም ንመቐለ መፂእኹም ዝብል ነይሩ:: ኣይተ ኣንዱኣለም ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ እንትህቡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝኾነ ገበን ዝፈፀመ ማዕኸን ዜና ብሕግን ስርዓትን ክሕተት ይግባእ ኢሎም::

ኢዜማ ኣብ 2012 ዓ/ም ምርጫ ንክካየድ ድልየት ኣለኹም’ ዶ? ቅዋሙ’ኸ እንታይ እዩ ንዝብል ዝተላዕለ ሕቶ ኣቦመንበር ኢዜማ ኣይተ የሺዋስ ኣበራ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝመረፆ ክመሓደር ኣለዎ ኢልና ንኣምን ኮይኑ ግና ምርጫ ንምክያድ ትካላት ምድላዋት ክገብሩ ይግባእ ኢሎም:: ውድቦም ድማ ኩሉ ግዜ ንምርጫ ድልው ምዃኑን: ነፃን ፍትሓውን ኮይኑ ዝፍፀመሉ መንገዲ ኣብ ዘለወሉ እዋን እቲ ምርጫ ምክያድ ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም::

"ስለዚ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘለዉ ድኹማት ትካላት ብምሕያል ኣብ ግዜኡ’ዶ የርክብ ዝብል ስግኣት ኣለና ኢና ዝበልና" ኢሎም ኣይተ የሺዋስ:: ካልእ ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝተልዓሉ "ኢዜማ ናይ ዶክተር አብዪ ኣሕመድ እዩ ይባሃል" ዝብል ሕቶ ነይሩ:: ኣይተ ኣንዱኣለም እንትምልሱ ኢዜማ ናይ ዶ/ር ኣብዪ እዩ ዝብል ተቐባልነት ዘይብሉ ወረ እዩ:: እዚ ውድብ ንምምስራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተለና ገና ዶ/ር ኣብዪ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምፅኦም ኢና ሓሲብናዮ" ኢሎም።

ኣይተ ኣንዱኣለም ብዛዕባ ኣብቲ መድረኽ ዝተልዓሉ ሕቶታት እንትዛረቡ "ልክዕ ልክዕና ብግልፂ ነገርኩምና: ኣይሓደግኩምልናን እዚ ድማ ዝግባእ ኢዩ ኢሎም:: ሃገር ዝህነፅ ብዘተን ብህዱእ መንፈስ ዝካየድ ክትዕን ብምዃኑ: ብዝሰልጠነ መንገዲ ክንጓዓዝ ይግባእ” ክብሉ ተዛሪቦም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኢዜማ ፈላማይ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ መቐለ አካይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:32 0:00


XS
SM
MD
LG