ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢዜማ ዜጋታት ካብ ሰብ-ሰርሖን ተፈጥሮኣዊን ዘጋጥሙ ሓደጋታት ገዛእ ርእሶም ክሕልው ኣተሓሳሲቡ


ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ(ኢዜማ) ዜጋታት ኣብ ኩሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ብተፈጥሮን ሰብ ሰራሕን ዝኾኑ ምኽኒያታት ካብ ዘጋጥሙ ሓደጋታት ገዛእ- ርእሶም ክሕለው ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ፓርቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብብዙሓት ናይ ተፈጥሮን ሰብ ሰራሕን ሓደጋታት ተኸቢባ እትርከበሉ እዋን ምዃኑ ይገልፅ።ኢዜማ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታትን ይካየድ ዘሎ ኵናትን ነታ ሃገር ዓብይ ስግኣት ሰለ ዝኾነ ናይ ኩላትና ፍሉይ ጠመተ ዘድልዮ እዩ ኢሉ ኣሎ ።

ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሓደጋ ስራሕ ኣመራርሓ ኮሚሽን ኣብ መላእ ሃገር ዘጋጥሙ ጉድኣት ንንምጉዳልን ንምምካትን ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ'ውን ኢዜማ ወሲኹ ገሊፁ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG