ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢዜማ ኣብ ከተማ ባህርዳር ህዝባዊ አኼባ አካይዱ


ፓርቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ዜጋታት ኢትዮጵያ(ኢዜማ​) ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ልዕሊ ዝሰብኩ ፓርታት ፖለቲካ ኣበየ ቦትኡ ዝግበር ምክልባት፡ ንኢትዮጵያ ብዓሌት ከፋፊሎም ንምፍራስ ኣጀንዳ ናይ ዝሓዙ ሓይልታት ውዲት`ዩ ኢሉ ።

ኢዜማ ኣብ ባህርዳር ጎስጓስ ምርጫ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን ዝተዛረበ አቦ መንበር'ቲ ፓርቲ ፕሮፈሰር ብርሃኑ ነጋ-ህዝቢ ኣምሓራ ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ብብሄር ተወደብ ክብሃል ከሎ እምቢ ብምባሉ- ንኢትዮጵያ ካብ ምብትታትን ዝተኸላኸለ ህዝቢ`ዩ ኢሉ።

ኢዜማ ካብ ብልጽግና ፓርቲ ዝፈልዮ ኣርባዕተ ነጥብታት ከም ዘለዉዎ ዝገለጸ ፕሮፈሰር ብርሃኑ ነጋ፡ ብፍላይ ኣብቲ ዘሎ ሕገመንግስቲ ነቲ ብልጽግና ዝሓዞ መርገጽ ብግልጺ ከምዝቃወም ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG