ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢዜማ ንእዋናዊ ኩነታት ዝምልከት መግለጺ ሂቡ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ልኡላውነትን ድሕነት ህዝብን ናይ ምኽባር ወፍሪ ግብረ ሓይሊ ከጣየሽ ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ፀዊዑ።

ንህወሓት ደጊፍኩም ብዝብል ዝውሰዱ ናይ ጅምላ ስጉምትታት ብህፁፅ ደው ክብሉን ቅልጡፍ ናይ ምፅራይ ስራሕ ክስራሕን እቲ ፓርቲ ሓቲቱ ኣሎ።

ኢዜማ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዝፀውዖ ጋዜጣዊ መግለፂ ብመሰረት ዝዘርግሖ ናይ ፅሑፍ መግለፂ ኣኽራሪ ብሄርተኛታት ምስ ዝብሎም ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝፈጠሮ ጥምረት ንሓድነትን ሰላም ኢትዮጵያ ካብ ዘሎ ሓደጋ ብተወሳኺ ንናይ ኢትዮጵያ ናይ ወፃኢ ፀላእቲ ዝበሉዎ መሳርሒ ብምዃን ኣብታ ሃገርን እዚ ዞባን ሓደጋ ከምዝፈጥር ኣገንዚቡ ኣሎ።

ናይቲ ፓርቲ ፀሓፊ ኣቶ ኣበበ ኣካሉ ነቲ መግለፂ ብምንባብ ከምዝበሉዎ "እዚ ኣብ ኩላትና ኣንፀላሊዩ ዘሎ ሓደጋ ብብቕዓት ንምምካትን ንምትራፍን ኩላትና ብሓድነት ኣተኣኻኺቡ ከሰልፍ ዝኽእል ፌደራል መንግስቲ ብምዃኑ መንግስቲ ነዚ ግቡኡ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብዝለዓለ ብቕዓት ክዋፃእ ወታሃደራዊ፣ዓለምለኻዊ ርክባትን ፖሮፖጋንዳን ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉን ዜጋታት ምሕጋዝ ዝከታተል ሃገራዊ ልኡላውነትን ድሕነት ህዝብን ናይ ምኽባር ግብረ ሓይሊ ብቕልጡፍ ክጣየሽን ናብ ስራሕ ክኣትውን ንሓትት’’ ይብል።

እቲ ፓርቲ ኣተሓሳሲቡኒ ዝበሎ ካልእ ጉዳይ ንህወሓት ትድግፉ ኢኹም ዝተባህሉ ሰባት ብጅምላ ተኣሲሮም ዝበል እዩ።ዝፍፀም ማእሰርቲ ብብቑዕ መረዳእታን ምፅራይን ዝተመስረተ ክኸውን ከምዘለዎ ኣቶ ኣበበ ኣካሉ ገሊፆም።ቅድም ክብል መግለፂ ናይ መእረምታ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዘውፅዑ ብምሕባር ሕጂ እውን ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ሓድነትን ሰላምን ዘንፀላለወ ሓደጋ ንምቕልባስ ዝውሰድ ስጉምቲ ንባሪ ሓቢርካ ምንባር ብዘይጎድእ መልክዑ ሕግን ስርዓትን ተኸቲሉ ክውሰድ ከምዘለዎ እናዘኻኸርና ናይ ዜጋታት ሰብኣዊ መሰላት ብዘይኣፈላላይ ብማዕረ ክኽበር ፃውዕትና ነሕልፍ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG