ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢዜማ:መንግስቲ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ሓደጋ ዝፈጥሩ ወገናት ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዑ


ፋይል
ፋይል

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ሓደጋ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ምልዕዓላት ብዕቱብ እናተኸታተለ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ \ኢዜማ/ ፀዊዑ።ኢዜማ ወሲኹ ፓርትታት ዝተፈላለዩ አማረፂ ፖሊስታት ንህዝቢ ኣብ ዘቕርቡሉ እዋን መንግስቲ ውሳነ ካብ ምሕላፍን ካብ ምትግባርን ክዕቀብ ሓቲቱ ኣሎ።

እቲ ፓርቲ ኣብ ዝዘርግሖ መግለፂ መንግስቲ ኣብ ናይታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ጠመተ ሂቡ ክሰርሕ ፀዊዑ ኣሎ።ስልጣን ንምንዋሕ ዝተኸደሉ ኣገባብ ሕገ መንግስታዊ ኣይኮነን፣በዚ ምኽኒያት ድሕሪ 25 መስከረም 2013 ዓ\ም መንግስቲ የለን፣ህዝብን ናይ መንግስቲ መሓውርን ናይ ክልል መንግስታትን ንፌደራል መንግስትን ክእዘዙ የብሎምን ዝብል ወፍሪ ከምዝነበረን ሎሚ እውን ከምዘሎን ይገልፅ ።

እቲ መግለፂ እዚ ወፍሪ ናይ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ካብ ምህዋኽን ናይ ዜጋታት ህይወት ኣብ ሓደጋ ካብ ምውዳቕን ዝዘለለ ፋይዳ የብሉን ይብል።ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ሓደጋ ቅድሚ ምግጣሙ ነዚኦም ተኸታቲሉ ክከላኸሎምን ሓደጋ ንምፍፃም ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ኢዜማ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG