ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢኳቶሪያል ጊኒ፥ ምስ ካሜሩን ኣብ ዘዳውባ ኣሰሓሓቢ ዶብ: መንደቕ ምህናጻ ጠጠው ክተብሎ ተሰማሚዓ


ኢኳቶሪያል ጊኒ፥ ምስ ካሜሩን ዘዳውባ ኣሰሓሓቢ ዶብ: መንደቕ ምህናጻ ጠጠው ክተብሎ ተሰማሚዓ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ሚንስተራት ምክልኻል ክልቲኤን ሃገራት፥ ኣብ ያውንደ ድሕሪ ምዝርራቦም`ዩ። ከምኡ`ውን ክልቲኦም ወገናት፥ ድሕሪቲ ሸውዓተ ሰባት ዝቐተለ ግጭት፡ ወታሃደራቶም ካብቲ ዘሰሓሕብ ዶብ ክስሕቡ ተሰማሚዖም ኣለዉ።

እንተኾነ ግን፥ ቅድሚ ሎሚ ዝተገብረ ስምምዕ ምስሓብ ሰራዊት ስለዘይተተግበረ፥ እዚ ዳሕራዋይ ስምምዕ`ውን ክጸንዕ ድዩ ዝብል ኣብቲ ዶብ ዝመላለሱ ነጋዶ የጠራጥሮም።

ሚንስተራት ምክልኻል ኢኳቶሪያል ጊኒን ካመሩንን ኣብ ርእሰ ከተማ ካሜሩን ያውንደ፥ ክልተ መዓልታት ዕጹው ኣኼባ ድሕሪ ምክያዶም: ሚንስተር ምክልኻል ኢኳቶሪያል ጊኒ- ለያንድሮ በካለ ንጎጎ፥ ክልቲኦም ወገናት ፍልልያቶም ከምዘወገዱ ኣፍሊጦም ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ ሃገሩ፥ ነቲ ካሜሩን ንግዝኣተይ ዝጥሕስ`ዩ ዝበለቶ ምህናጽ ኣሰሓሓቢ መንደቕ ዶብ፡ ጠጠው ከምተብሎ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣብቲ ዶባት ተመዲቦም ዘለዉ ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ነናብ መዓስከራቶም ክምለሱ`ዮም- ኣብ እዋን ጸገም ጥራሕ ንሰለማውያን ሰባት ንምሕላው ክወጹ`ዮም ዝበለ ሚንስተር ምክልኻል ኢኳቶሪያል ጊኒ፥ ድሕሪ’ዚ ነቶም ናይ ሓባር ጸላእትና ዝኾኑ ከም ሃደንቲ እንስሳ፥ ኣብ ወሽመጥ ጊኒ ዝርኣዩ ቀርሰንትን፥ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ንሲቪላት ዝዘምቱ ዕጡቓት ጉጅለታት ጥራሕ ኢና ብሓባር ክንዋጋእ ኢሉ። ኣተሓሒዙ፡ ካሜሩንን ኢኳቶሪኣል ጊኒን፥ ንጸጥትኤንን ንልምዓተንን ነንሕድሕደን ይደላለያ`የን ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢኳተርያል ጊኒ ተድሮ ኦቢያንግ ካሜሩናውያንን ምዕራብ ኣፍሪቃውያንን ናብታ ሃገር ብዘይሕጊ ንኸይኣትዉ ንምክልኻል ብዝብል ዝሓለፈ ዓመት 2019 እቲ መንደቕ ክህነጽ ኣዚዙ ኔሩ- ። ካሜሩን ድማ ኣብ ዶብ ዝግበር ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምክልኻል ብዝብል ሰራዊታ ኣብቲ ዶብ ብምምዳባ- ግጭትን ሞትን ድማ ስዒቡ።

ዝሓለፈ ወርሒ`ውን ሰራዊቶም ካብቲ ዶባት ክስሕቡ`ሞ ነቲ ዶብ ብሓባር ክሕንጽጽዎ ዝገበርዎ ስምምዕ ኣይሰርሓን። ሕጂ ግን ይብል ሚንስተር ምክልኻል ካሜሩን ጆሰፍ ኣሶሞ ሎሚ ሰሉስ ክገልጽ ከሎ፥ ነቲ ኣብ ዶባት ዘሎ ውጥረት ንኸብቅዕ ክልቲኤና ኣብ ጽኑዕ መርገጺ ተረዳዲእና ኣለና ይብል።

ድልየት ፕረዚደንት ካሜሩን ፓወል ቢያ፥ ካሜሩንን ኢኳቶሪያል ጊኒን ከምቲ ኣብ ጽባሕ ናጽነተን ዝነበርኦ ሓቀኛ ኣሕዋትን መሓዙትን ክኾና`ዩ።ሚንስተር ምክልኻል ካሜሩን ክልቲኤን ሃገራት ማሕበራዊ- ባህላዊን ጂኦግራፊያውን ዝምድናታት ኣለወን- እዚ ድማ ንህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ብሰላምን ቅሳነትን ንክነብሩ ዘተባብዕ`ዩ -ኢሉ።

በዚ ትማሊ ዝተገብረ ስምምዕ፥ ኣብቲ ዶባት ዘለዉ ነጋዶ ግን ገሊኦም እቲ ጎንጺ ከብቅዕ`ዩ ዝብል እምነት የብሎምን። ካብ ኢኳቶሪኣል ጊኒ መስተ ወይኒ ገዚኣ ናብ ሃገራ ካሜሩን እተእቱ ጓል 40 ዓመት ኣንጀሊካ ኣመንደ፥ እቲ ኣብ ዶብ ዘሎ ኩነታት ቀልጢፉ ምፍትሑ ትጠራጠር።

ኣብቲ ዶባት ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ፖለቲካዊ ድልየት ዘሎ ኣይመስለንን ምኽንያቱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክራኸቡ መጀመርያኦም ኣይኮኑን- እቲ ሽግር ዶብ ግን ገና ኣይተፈትሐን ትብል።

ኢኳቶሪያል ጊኒ ንካመሩን ክትከሳ ዝጸንሐት፥ ዶብ ንዝሰግሩ ዘይሕጋውያን ሰባት ንምዕጋት እኹል ኣይሰራሕክን ዝብል`ዩ።

ኣብ 2017, ኢኳቶሪያል ጊኒ ምስ ካሜሩን ንዘለዋ ዶባት ብምልኡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዓጽያቶ ኔራ`ያ- ከምኡ ዝገበረት ድማ፥ ሰበ-ስልጣን ክልቲኤን ሃገር ንገለ ብኸቢድ ዝዓጠቑ ወጻእተኛታት ኣብቲ ዶባት ድሕሪ ምሓዞም`ዩ- ንኦቢያንግ ንምዕላው`ዩ ብዝብል`ውን ተኸሲሶም ኔሮም`ዮም።


መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ ዝነውሐ ግዜ ዝመርሑ ዘለዉ`ዮም- ኦቢያንግ ንኢኳቶሪያል ጊኒ ካብ 1979 ጀሚሩ ዛጊት ን 41 ዓመታት ዝመርሐ ክኸውን ከሎ፥ ፓወል ቢያ ድማ ንካሜሩን ካብ 1982 ጀሚሩ ን 38 ዓመታት ምስ መርሓ`ዩ።

XS
SM
MD
LG