ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢንዳስትሪ ፓርክ መቐለ ንመንእሰያት ናይ ስራሕ ዕድል ይፈጥር ምህላው ተገሊጹ


ኢንዳስትሪ ፓርክ መቐለ ካብ ዝምረቕ ሓደ ዓመትን ሽድሽተን ወርሕን ኣቑጺሩ’ሎ፡፡ እዚ ኣብ 25 ሄክታር መሬት ዝተደኾነ ፓርክ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ሸዳት ጀሚሩ ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝውዕሉ ብሎካት ኣብ ልዕሊ ምሓዙ ንሓምላዋይ ቦታ እውን ዘጠቃለለ እዩ ክብሉ ኣተሓባበሪ’ቲ ፓርክ ኣይተ ፊሊሞን ታረፈ ገሊጾም፡፡ ኣይተ ፊሊሞን ወሲኮም ኣብቲ ኢንዳስትሪ ፓርክ 15 ሸዳት እንትህልዉ እቶም ሰለስተ ተግባራዊ ስራሕ ከምዝጀመሩን ክልተ ድማ ንደገ ምልኣክ ምጅማሮም ሓቢሮም፡፡ አቶም ዝተረፉ ሸዳት እውን እንተኾነ ብዘይካ ሓንቲ ሼድ እቶም ዝተረፉ ብሰብ ሃብቲ ተታሒዞም ናብ ስራሕ ንምእታው ኣብ ምሽብሻብ ይርከቡ ኢሎም፡፡

ኢንዳስትሪ ፓርክ መቐለ ንመንእሰያት ናይ ስራሕ ዕድል ይፈጥር ምህላው ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:12 0:00

ኣይተ ፊሎሞን ብዛዕባ ምፍጣር ዕድል ስራሕ ኣመልኪቶም ዛጊት ንኣስታት 4,000 መንእሰያት ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ከምዘሎን ምሉእ ብምሉእ ስራሕ ምስ ጀመረ ግን ንከባቢ 20 ሽሕ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ክኸፍት እዩ ኢሎም፡፡

ምሉእ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG