ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢንዳስትሪ ዓለባ ሃዋሳ ብሰንኪ ምውጻእ ኢትዮጵያ ካብ ኣጎዋ 3,000 ሰራሕተኛታት ከምዘሰናብት ኣፍሊጡ


ሃዋሳ

ኢትዮጵያ ብ“ስምምዕ ንዕብየትን ዕድላትን ኣፍሪቃ” (ኣጎዋ) ዝፍለጥ ካብ ብኣመሪካ ዝልገስ ካብ ቀረጽ ናጻ ዝኾነ ዕዳጋ ብምውጽኣ ኣብ ሃዋሳ ወፊሩ ዝጸንሐ ኢንዱስትሪ ዓለባ ‘ቤስት ኢንተርናሽናል’ ንልዕሊ 3000 ሰራሕተኛታቱ ከምዘሰናብት ኣፍሊጡ።

ካብ መንጎ’ቶም ዝሰናበቱ ሰራሕተኛታት ገሊኦም ክዛረቡ ከለው "እቲ ኩባንያ፣ ካብ ሕጊ ወጻኢ፣ ካሕሳ ከይከፈሎም ኣሰናቢቱና" ኢሎም ቅሬተኦም ገሊጾም።

ኮንፈደረሽን ማሕበር ሰራሕተኛታት ብወገኑ "እቶም ሰራሕተኛታት፣ መሰሎምን ረብሐኦምን ንክረጋገጸሎም ይላዘብ ከምዘሎ" ጠቂሱ ኣሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG