ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢንስትዩት ጥዕና ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኖብል ኮሮና ቫይረስ ከይኣትውን ንምክላካሉን ቕድም ምድላዋት የካይድ ምህላው ኣፍሊጡ


ሚንስትሪ ጥዕናን ኢንስትዩት ጥዕና ማሕበረሰብ ኢትዮጵያን ኖቭል ኮረና ቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ከይኣትውን ንምክልካሉን ቅድመ ምድላዋት የካይድ ምህላው ኣፍሊጡ።እቲ ትካል ወሲኹ ሰብ ሞያ ጥዕና ብምስልጣን፣እቲ ቫይረስ ኣለዎም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ዝዓርፍሉ ማእኸላት ብምድላውን ዳህሳስ ኣብ ምክያድን ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፁ።

ንምርመራ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ተላኢኹ ዝነበረ በቲ ሕማም ናይ ዝተጠርጠሩ ኣርባዕተ ሰባት መርኣያ (ሳምፕል) ውጽኢት ድማ እቶም ሰባት ካብቲ ሕማም ነጻ ኮይኖም ምርካቦም አረጋጊጹ’ሎ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ዘካየዶ በረራ ዳግመ ግምት ክገብር እቲ ትካል ንመንግስቲ ሕቶ ምቕራቡ ኣብቲ ኢንስቲቱት ሓላፊ ዓውዲ ምቁጽጻር ዓለምለኸ ጥዕና ዶ/ር ፈይሳ ረጋሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

“ዘድልዩ ቴክኒካዊ ዝኾኑ ነገራት ንመንግስቲ፣ንሚንስትሪ ጥዕና ኣቕሪብና ኣለና።ቁጠባዊ፣ማሕበራዊን ፖለቲካዉን መዳያት ናይቲ ሕማም ምትሕልላፍ ኩሉ ርእዩ መንግስቲ ዝብሎ ነገር ክህልው ድማ ትፅቢት ንገብር።”

ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማሪያም ንናይ ቻይና ዓለምለኸ ናይ ቴሌቪዥን ኔት ወርክ ሎም ቅነ ኣብዝሃብዎ ርእይቶ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ቻይና በረራ ዘቋርፀሉ ምኽንያት የለን ኢሎም።

“ትካል ጥዕና ዓለም ንሃገራትን መንገድታት ኣየርን ዘውፅኦ መምርሒ ብዝተቐመጠሉ መንገዲ ኢና ንሰርሕ ዘልና፡ትካል ጥዕና ዓለም ዘቐመጦ እገዳ ጉዕዞ ስለዘየለ ናብ ቻይና እንገብሮ በረራ ደው ንምባል ምኽንያት የብልናን።”

XS
SM
MD
LG