አዲስ አበባ/ዋሽንግተን —
ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰሜን ክልል ኣገልግሎት ቴሌኮም ዝተቋረፀ ካብቲ ትካል ወፃኢ ብዝኾኑ ኣካላት ኣብ ዝተፈላለዩ ጣቢያታት ብዝተፈፀሙ ናይ ዕንቅፋታት ምዃኑ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮቴሌኮም ኣፍሊጠን።
እዚ ተግባር እዚ ምስተፈፀመ ኣብ 14 መዓልታት ጥራሕ ናብ 40 ቢሊዮን ዝኾኑ ናይ ሳይበር መጥቓዕትታት ኣብታ ሃገር ዝተፈላለዩ ትካላት ምፍታኑ እውን ተዛሪበን።
መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከኣ ህወሓት እዩ ኣብቲ ክልል ኣብ ዘሎ መደብራት ጉድኣት ብምውራድ ክቋረፅ ዝገበረ ኢሉ ኣሎ።
ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከቡ ኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገዶም ነዚ ክሲ ብምንፃግ ባዕሉ እቲ ፌደራል መንግስቲ እዩ ክቋረፀ ገይሩ ኢሎም ኣለው።