ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮ-ቴለኮም ሸፈነ ኢንተርነት የዕቢ


ዋና ፈጻሚት ስራሕ ኢትዮ-ቴለኮም ፍረህይወት ታምሩ
ዋና ፈጻሚት ስራሕ ኢትዮ-ቴለኮም ፍረህይወት ታምሩ

ብመንግስቲ ዝውነን ኢትዮ-ቴለኮም ናይ ደገ ኣውፈርቲ ንምትብባዕ፡ ናይ ቴለፎን ኢንተርነት ናብ 5 ጂጋ-ባይትስ (5G) ከም ዘዕበዮ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ። 5G ካብቲ ዘሎ ቅልጠፈ ኢንተርነት ብ20 ግዜ ከም ዝዓቢ እቲ ዜና የመልክት።

ዋና ፈጻሚት ስራሕ እቲ ትካል ፍረህይወት ታምሩ ከም ዝጠቐሰቶ፡ እቲ ኣገልግሎት ናብ ካልእ ቦታታት ቅድሚ ምዝርጋሑ ፈለማ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ጥራይ ተሓጺሩ ክጸንሕ’ዩ።

እቲ ኣስታት 64 ሚልዮን ተጠቀምቲ ዘለዎ ኢትዮ-ቴለኮም ነዚ ሓድሽ ናይ ኢንተርነት ዝርጋሐኡ ምስ ዋወ (Huawei) ዝተባህለ ናይ ቻይና ትካል ብምትሕብባር’ዩ ዘኻይዱ ዘሎ።

XS
SM
MD
LG