ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ 9 ሚልዮን ክታበት ቫይረስ ኮሮና ዶዝ ንምእታው ትሰርሕ ምህላው ተገሊጹ


ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ሚያዚያ 2013 ዓ.ም ትሽዓተ ሚሊዮን ዶዝ ክታበት ኮቪድ19 ናብ ሃገራ ንምእታው ትሰርሕ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝገለፆ ክሳብ መወዳእታ 2013 ካብ ኣጠቓላሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ 20 ሚእታዊት ክታበት ክረክብ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ።

ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው መጠን ክታበት ንእሽተይ ብምዃኑ ንኩሉ ብሓንሳብ ንምብጻሕ እቲ ሕብረተሰብ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ጥንቃቐ ክገብር ኣለዎ ክብል ሚኒስትሪ ጥዕና ኣተሓሳሲቡ ።

XS
SM
MD
LG