ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ገ/መድህን ፍቃዱ (ወዲ ነጮ) ትማሊ ሰኑይ ሃንደበት ከምዝዓረፉ ተገሊጹ።
ፌደራል ቤት ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት ንድምጺ ኣመሪካ ዝሃቦ መግለጺ ሜጀር ጀነራል ገ/መድህን፣ ምስ በዓልቲ ቤቶምን ምስ ጓሎምን ኣብ ዝተራኸብሉ ሰዓት፣ ሃንደበት ድሕሪ ምውዳቆም፣ ናብ ሕክምና ምስተወሰዱ ከምዝዓረፉን ሓቢሩ።
ምክትል ሚንስትር ፍትሒ ኣቶ ፈቃዱ ጸጋ ብወገኖም ሜጀር ጀነራል ገ/መድህን ፈቃዱ፣ ከምዝዓረፉ ካብ ፌደራል ቤት ማእሰርቲ ከምዘረጋገጹ፣ ጠንቂ ሞት’ቶም ጀነራል ይምርመር ከምዘሎን ገሊጾም።
ብምኽንያት ሞት ሜጀር ጀነራል ገ/መድህን ኣመልኪቱ መግለጺ ዘውጸአ መንግስቲ ክልል ትግራይ "ንስድራ ቤት’ቶም ጀነራል ምጽንናዕ ተመንዩ፣ ቀደሙ’ውን እንተኾነ እቶም ጀነራል ኣብ ዓይኒ ፌደራል መንግስቲ ዝኣተው፣ ብሰንኪ መንነቶም እዩ":ድሕሪ ምባል ኩነታት ኣማውተኦም ግና ብነጻ ወገን ንክጻረይ ሓቲቱ’ሎ።
ሓላፊ ክፍሊ ኤለክትሮኒክስን ሳይበርን ዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ገ/መድህን፣ 24 ጥቅምቲ 2013፣ ሚንስትሪ ምክልኻል ምስ እዚ ሰሜን ዝነበሮ ርክብ ሬድዮ ንክቋረጽን፣ መሳርሕ ርክብ ሬድዮ ንወትሃደራዊ መራሕቲ ህወሓት ኣሕሊፎም ሂቦም ዝብል ብዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ከቢድ ክሲ ክሕደት ሃገር ተኸሲሶም ኣብ መስርሕ ሙግት ቤት ፍርዲ ከምዝነበሩ እቲ ዜና ይሕብር።